“ኢትዮጵያ: ሰራዊት ኤርትራ ዝዓጸውዎ መገዲ ዓዲግራት - ዓድዋ - ኣክሱም ክኸፍቱላ ንኣዘዝቶም ሓቲታ መልሲ ትጽበ ኣላ” ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀል።

Source: SM
ካልእ ኣርእስቲ ጽብጻብ፥ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓይልታት ትግራይ ክልላውን ዓለምለኻዊን ዶባት ከይዓገቶም ጸላኢ ዘጥቅዑሉ ባይታ ከም ዘጣጥሑ ተዛሪቡ። ኣብቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝሃቦ ቃለመሕትት ብዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ትግራይ ናብ ሜዳ ቃልሲ ይውሕዙ ከም ዘለዉን ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ እናኸፈለ ነቲ ቃልሲ የሐይሎ ከም ዘሎን ኣረዲኡ ኣሎ።
Share