ኣብ መቐለ ካልእ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ተኣሲሩ። ኣቐዲሙ ዝተኣስረ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ድማ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። (ጸብጻብ)

Credit: Timon Reinhard/Unsplash
ልኡኽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዘትዩ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ፡ ይወሃብ ኣሎ። ኣብ መቐለ ካልእ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ተኣሲሩ። ኣቐዲሙ ዝተኣስረ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ድማ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። ተሓላቒ ትካል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ትግራይ "ሰባት ዓፊንካ ምጥፋእ"ን "ካብ ፍርዲ ወፃኢ ምእሳርን" ይጋደድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያን ኢጣልያን ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ G20 ክልተኣዊ ስምምዕ ዳግመ ውደባ ዕዳ ፈሪመን።መራሕቲ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘትዮም። ካብተን 31 ንግዳዊ ባንክታት ኢትዮጵያ፡ እተን 25 ብምንኣስ ዓቕሚ ክወሃዳ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ።
Share




