ኣብ ዛላምበሳ ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣሸንዳ ተጸምቢሉ።

Credit: Timon Reinhard/Unsplash
በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብሃይማኖውን ባህላውን መልክዓት ተኸቢሩ። ኣብ ዛላምበሳ'ውን ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተጸምቢሉ። ኤርትራ ምኽንሻብ ደቅኣንስትዮ ብምትራፍ ዝነኣድ ዉጽኢት ኣመዝጊባ። እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብ ጥርዓን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ክነጽጎ ከሎ ፤ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ተቐቢሉዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፋብሪካ ወርቂ ይሃንጽ ምህላዉ ገሊጹ።
Share