ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናትን፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ተዓዊትና ዝብልዎ ዘለዎ ኩነታትን።

Source: Hollandse Hoogte
መንግስቲ ፌደራል ንጁንታ ህወሓት ስዒረ ንዓዲግራት፣ ኣክሱምን ዓድዋን ተቖጻጺረ ይብል። መንግስቲ ትግራይ ንሰራዊት ኣብይን ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ ሰለስተ ግንባራት ( ኣላማጣ፣ ዓድዋን ዕዳጋ ሓሙስን) ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣውሪዱ ከም ዝበታተኖም ይገልጽ። ብካልእ ዜና ኣርባዕተ ተጋሩ ህጻናት ብዕጡቓት ኣምሓራ ከም ዝተሰየፉን ነፍሰፁር ኣዴታት ከም ዝተቐትላን ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከም ዘረጋገጸ ዘ ቴሌግራፍ ክሕብር እንከሎ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዝተወለዐ ዓሌታዊ ጎንጺ 50 ተወለድቲ ኣምሓራ ተቐቲሎም ናብ 100 ሽሕ ዝጽግዑ ከም ዝተመዛበሉ ተሓቢሩ። ዝብሉን ካልኦት ጸብጻባትን።
Share