መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ብምሉእ ዓወት ክሳብ ዝዕተር ውግእ ጉሂሩ ከም ዝቕጽል ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ካብ በረኻታት ትግራይ መግለጺ ኣሕሊፉ።

Source: Getty Images
ሓጸርቲ ጸብጻባት፡ *ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ብሰደድ ፍርያት ወጻኢ ካብ ትግራይ ትረኽቦ ዝነበረት 60 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሓረማ ሚንስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን እታ ሃገር ገሊጹ። *ቁጽሪ እቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይካድራ ዝተቐትሉ ሰባት ዝተጋንዐ እዩ ክብል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ቁጽሮም ካብ ምንጻር ግን ተዓቂቡ። *ኤርትራ ኣርባዕተ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ንዝጸሓፉዎ ደብዳበ ነቒፋቶ። *መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ብምሉእ ዓወት ክሳብ ዝዕተር ውግእ ጉሂሩ ከም ዝቕጽል ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ካብ በረኻታት ትግራይ መግለጺ ኣሕሊፉ።
Share