ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ልዕሊ 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። (ሓጸርቲ ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ኮሌጅ ሕክምናን ስነፍልጠትን ኦረታ 230 ተምሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣመሪቑ። ሱዳን ብዕጡቓት ኢትዮጵያ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ከም ዝተቐትሉዋ ዘውጸኣቶ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉዎ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ልዕሊ 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ከንቲባ ከተማ ደብረብርሃን ምስ ህወሓት ርክብ ኣለካ ብዝብል ከም ዝተኣስረ ተሰሚዑ።
Share