መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዑ ጎስጓሳት ጽልኢ ከም ዝተጸምደ ሓላፊት USAID ሳማንታ ፓወርከሲሳ።

Source: AAP
ሓጸርቲ ጸብጻብ፥ ሓላፊ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን ማርቲን ግሪፍቲዝ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሐለን መዓልታት ቤቶም ብምዕናዉ መጽለሊ፣ እኽሎም ብምዝማቱ ዝብላዕ ዘይብሎም ሰባት ርእዮ ከም ዝሓዘነ ገሊጾም። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዛዕባ ዝኣትወሉ ናይ ስልኪ ዘተ ከም ዘሳለጡ ኣፍሊጦም። ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ረድኤት ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ክትዘራረብ ዝተትሓዘ መደብ ከም ዘይሰለጠ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዑ ጎስጓሳት ጽልኢ ከም ዝተጸምደ ከሲሳ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Share