ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ግብጺን ዑደት ይገብር ኣሎ። (ካብ ሓጸርቲ ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዛዕባ ጉዳይ ቅልውላው ትግራይ ዝርከቦ ምስ መራሒ ሕቡራት ዓረብ ኢመረት ዘትዩ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ግብጺን ዑደት ይገብር ኣሎ። ሩሲያ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ንዝህነጽ መዓስከር ሰራዊት ብዝብል ዘእተወቶ ናውቲ ከተውጽእ ሱዳን ሓቲታት። ሱዳን እቲ ግድብ ህዳሰ ዝስረሓሉ ዘሎ ክልል ቤን ሻንጉል ግዝ ኣተይ’ዩ ምባላ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብል ኣፈኛ ሚ/ሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ጌሩ። ኢትዮጵያ ሓዲሽ ምልክትን ኣልባሳትን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪቓ። ሚ/ሪ ሕርሻ ኤርትራ ምሩጽ ዘርኢ ንሓረስቶት ዓዲሉ። ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ምርጫ ሉኡኽ ከምዘይሰድድ ኣፍሊጡ። ነበር ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ሞይቱ።
Share