ኣርእስቲ ጸብጻባት ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 55 በጺሑ ኣዋጃት እቶ እቶን ኣጽዋማትን ተኣዊጁ። ካብ ኤርትራ ብትግራይ ገፅ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን መንግስቲ ፌደራል ኣይቅበሎምን እንተይሉ ፤ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘመሓድሮ ባይታ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህብ ከም ዝኽእል ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ በዝሒ ብኮሮናቫይስ ዝሓመሙ ሰባት 33 በጺሑ ፤ እገዳ በረራታት ተናዊሑ። ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክሳብ ክንቀትለካ ኢና ዝብል ምፍርራሕ ከም ዘጓነፎም ብምግላጽ ፤ እንተዀነ ድምብርጽ ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም። ዝብሉን ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ዝድህስስ ጸብጻብ።
Share





