ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝነበራ ዝርርብ ብዘይፍረ ምብታኑ ንሱዳን ከሲሳ። (ጸብጻብ)

Source: Getty Images
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ልኢኸዮ ዝበሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዛጊት ከምዘይተዓደለ፣ ተወዲኡ ዝበሎ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ፣ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኣይኣተወን ዝበሎም ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ውግእ ከም ዘለዉ፣ ከፊተዮ ዝበሎ ግልጋሎት ስልኪ ኣብ መቐለ ውን ኣብ ውሱን ከባቢ ጥራሕ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸመሉ ዘለዉ ገበናት ክምርምር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገደብ ክኣትዉ ውን ደጋጊሙ ተማሕጺኑ። ኣብ ጽባሕ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሓለፍትን ሽማግሌታት ዓድን ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተመያየጠሉ ዕለት ልዕሊ 100 ሰባት ኣብቲ ክልል ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
Share