ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ኤርትራውያን ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝተትሓዙ ይግለጽ ኣሎ። (ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ብካልእ ዜና ኣብ ጎንደር ሰለስተ ኤርትራውያን ኣሳፊሩ ከምልጥ ፈቲኑ ዝተብሃለ ገናሒ መኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ተባሂሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዜጋታት ወጻኢ ኩነታቶም ብህጹጽ ከመዝገቡ መምርሒ ኣውሪዱ። እቲ ምዝገባ ቀዳምን ሰንበትን ሓዊስካ ከም ዝካየድ ብምሕባር ንዘይተመዝገቡ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ኣፍሊጡ። ብሰኑይ 11 ሓምለ፡ ካብ ሰንዳፋ ዝተባህለ ቦታ ጸበል ክሕጸቡ ወጺኦም ካብ ዝነበሩ ልዕሊ ሚኢቲ ኤርትራውያን ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝተትሓዙ ተገሊጹ።
Share