ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ብ ፖለቲካዊ ድርድር ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ።

Credit: X
እቲ ብክንሳተፍ ኢና ዝብሉን ኣብ ዝተጨውየ ጉባኤ ኣይንርከብን ዝብሉ ምፍልላያት ዘኸተለ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ካብ ኮሚሽን መረጻ ኢትዮጵያውን ተቓዉሞ ገጢምዎ ኣሎ። እዚ ጉባኤ በቲ ሃደ ወገን ኣብ ዉሽጢ እቲ ዉድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ በቲ ኻልእ ድማ መጻኢ ዝምድና ምስ ፈደራል ዝመጽእ ኩነታት ብህዝቢ ኣብ ሳቕሎት ኣእትይዎ ይርከብ።
Share