ኢትዮጵያ ምእጋድ ሰብኣዊ ሓገዝ ፖለቲካዊ ውሳኔ ክትብል ተቓዊማቶ። (ጸብጻብ)

ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ባህርዳር ድሕሪ ኲናት ንፈለማ እዋን ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ሪፈራል ሆስፒታል ኦሮታ፡ መጥባሕቲ ልቢ ተጀሚሩ። ኢትዮጵያ ምእጋድ ሰብኣዊ ሓገዝ ፖለቲካዊ ውሳኔ ክትብል ተቓዊማቶ። ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ መቐለ ቤትምህርቲ ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሩ። ሓዱሽን እንኮን ናይ ውልቀ ወሃቢ ግልጋሎት ቴሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ሳፋሪኮም ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ከም ዘድልዩዎ ገሊጹ። ኣብ ጁቡቲ ኣኼባ ውዳበ ልምዓት መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ። ሃዲኡ ዝነበሩ ውግእ ሱዳን ከም ዝደገሰ ተሰሚዑ።
Share