ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ህወሓት ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ክልውጥ ድሌት ኣለዎ ክብሉ ከለዉ ፤ ኣቶ ደመቀ መኮነን ድማ ትግራይ ንህወሓት መዐንደሪት ኣይክትከውንን ኢሎም። (ጸብጻብ)

ልኡኽና እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻባት ሰዲዱና ኣሎ፡ አቶ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኤርትራ ንዓዲግራት ብከቢድ ብረት ደብዲቡ ብ4 ኣንፈት ንውግእ ይዳሎ 'ሎ ኢሎም። ልዕሊ 30 ሲቪክ ማሕበራት መግለጺ መጸዋዕታ ሰላም ከይህባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪለን። ብዕጡቓት ተሰዊሮም ዝነበረ ሓላፊ ጉዳይ ወፃኢ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ፣ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለካ ብዝብል ተኸሲሶም። ኢትዮጵያ ትማሊ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣሲራ። ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን ወተሃደራዊ ምልመላ ይግበር ከምዝነበረ ዝሕብር ሓበሬታ ከም ዝጸሖ ኮሚሽት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
Share