Source: Getty Imagesካልኦት ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ትግራይ ዛጊት ብዝተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ኣስታት 260 ቦታታት ጅምላዊ ህልቂት ከም ዝተፈጸመ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ፤ ትካል ስቪላዊ ማሕበራት ትግራይን ገሊጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ: በዓል ኣሸንዳ: ብሽም ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝተገበሮ ጻዕሪ ረቑሓታት ብዘይምምልኦም ከይተመዝገበ ተሪፉ ተባሂሉ። ሱዳን: ሰራዊታ ናብ መዋሰኒ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጥጣ መሬት ኣልፋሽጋ ከም ዘጸገዐት ተሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ: ምስ ኣባላት ናይቲ ኣሸባሪ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ቃለመሕትት ኣካይዶም ንዝበሎም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ።
ካልኦት ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ትግራይ ዛጊት ብዝተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ኣስታት 260 ቦታታት ጅምላዊ ህልቂት ከም ዝተፈጸመ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ፤ ትካል ስቪላዊ ማሕበራት ትግራይን ገሊጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ: በዓል ኣሸንዳ: ብሽም ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝተገበሮ ጻዕሪ ረቑሓታት ብዘይምምልኦም ከይተመዝገበ ተሪፉ ተባሂሉ። ሱዳን: ሰራዊታ ናብ መዋሰኒ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጥጣ መሬት ኣልፋሽጋ ከም ዘጸገዐት ተሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ: ምስ ኣባላት ናይቲ ኣሸባሪ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ቃለመሕትት ኣካይዶም ንዝበሎም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ።