ር/ምም ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር “እዚ ፀላኢ ከየጥፋእና ዕረፍቲ የብልናን" ዝበሎ፡ ምጽናት ዓሌት ዝእምትዩ ተባሂሉ።

Source: AMC
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር እዚ ፀላኢ ከየጥፋእና ዕረፍቲ የብልናን፡፡ እዚ ህዝቢ ፀላኢ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ክብል ብዘሕለፎ ኣዋጅ ክተት ይኽሰስ፡፡ ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሰሙን እውን እዚ ፀላኢ መንቀርሳ ኢትዮጵያ እዩ፡ ከም ጻህያይ ክንምሕዎ ኢና ኢሉ ነይሩ፡፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ፔካ ሃቤስቶ ብዛዕባ ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ን100 ዓመታት ከም ዘይለዓል ክንገብሮ ኢና ዝብል ዘረባ ካብ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ከም ዝተነግሮ ምግላፁ ይዝከር፡፡ መንግስታት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ምፅናት ዓሌት፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታ እቲ ክልል ብዝቐለ ፆታዊ ዓመፅን ገበን ኩናትን ክኽሰሱ ዝፀንሑ ኮይኖም ኣሜሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ገበን ምጽናት ዓሌት ከም ዝተፈፀመ ወግዓዊ ምግባራ ይዝከር፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ዝነጸጎ ኮይኑ ነቲ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ትማሊ ዝተሰምዐ ዘረባ እውን ንህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ ንህወሓት እዩ አሉዎ ኣሎ፡፡ ህወሓት ብወገኑ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ዝኣትወሉ መገዲ ንምኽፋትን ነቶም ገበን ፈፂሞም ዝብሎም ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ብሰለሰት ግምባራት ዓወት ይሓፍስ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ ዘሎ፡፡ ዛጊድ ናብ ጎንደር፣ ላሊበላ፣ ወልድያን ቀንዲ መስመር ኣዲስ ኣበባ - ጁቡቲ ዝኾነ መስመር ንምሓዝ ገስጋሱ ከም ዘሐየለ ውን ይሕብር ኣሎ፡፡ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ልኡኽና ከቕርቦ እዩ፡፡
Share