ገለ ኤርትራውያን:ቢልዮነር ኢላን መስክ ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት ክዝርግሐሎም ይምሕጸኑ ኣለዉ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢትዮጵያ ናይዚ ወርሒ ዝቕባበ ዋጋ መግብን ኣቑሑትን ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ብ49.9% ከም ዝወሰኸ ኤጀንሲ ስታስቲክስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብደርቂ ዝተሃስየ ህዝቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ከም ዝሰኣነ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሚልዮናት ሰባት ግዳያት ዝኾኑሉ ደርቂ 1.5 ሚልዮን ጥሪት ከም ዝሃለቓሉ ሓቢሩ ኣሎ። ዝብሉ ካልእን ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።
Share