ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክኽፈታ ምዃነን ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።

ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክኽፈታ ምዃነን ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ። ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኩናት ዝዓነወ ከባቢታት ዳግም ህንፀት ንምክያድ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ተሓቲቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዓመት ነዳዲ ንምዕዳግ ዝውዕክ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ገሊጹ። ብልጽግና ኢትዮጵያ ጸገም ስርቂ ኣጋጢምዋ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
Share