ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ደቆምን መጻምድቶምን ንምጥርናፍ ብድሆ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣመሪካን ውሕሃን ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ መግቢ ድሕሪ ምቁራጾም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ። ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ደቆምን መጻምድቶምን ንምጥርናፍ ብድሆ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ገሊጾም። ካብ እንግሊዝ ንሓደ ስደተኛ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምፍናው ዝግበር ወጻኢታት ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘጽንሖ ከም ዝውስኽ ተገሊፁ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ መዓስከራቶም ኣረኪቦም። ሳፋሪኮም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ትካሉ ሓዱሽ ሓላፊ ሸይሙሉ።
Share