ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ገበናት ኩናት ክዳረግ ዝኽእል ግህሰት ፈጺሞም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸብጺቡ።

Source: Getty Images
ኣርእስታት ዜና ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብራስለስ ኣትዩ። በዓል መዚ ሓለዋ ሓድግታት ኢትዮጵያ እቶም ኣብዚ ቅንያት ካብ ትግራይ ከም ዝተሰርቁ ዝእመነሎም ብኦንላይን ክሽየጡ ዝወጹ ጥንታውያን ሓድግታት ካብ ኤርትራ ዝተሰርቁ ከይኮኑ ኣይተፉን ዝብል መብርሂ ሂቡሎም። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብሽም ኢትዮጵያዊነት ህዝቢ ምስ ህዝቢ የገራጭዉ ኣለዉ ንዝበሎም ማዕኸናት ዜና ኣጠንቂቑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሮም ሰባት ክፈትሕ ኣሜሪካ ፀዊዓ። ሓይልታት ኣምሓራ ኣብቲ ክልል ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ንዝነበሩ ሰላማውያን ዜጋታት ብሕቡእ ብኣልማማ ይቕትሉ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ጸብጻብ ይቃላሕ ኣሎ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።
Share