መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ይጽንበል ኣሎ። (ጸብጻብ)
Credit: Beyene Weldegiorgis
ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ 1.5 ትሪልዮን ብር (28 ቢልዮን ዶላር) ከም ዝገጠማ ገሊጻ። ዓመታዊ እቶታት ጅቡቲ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ ። መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ 24 ግንቦት፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ መልክዕ ይጽንበል ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣምባሳደር ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ሮላንድ ኮቢያ ኣብ ሽረ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዑድት ኣሳሊጡ። ኣብ ሱዳን ኣብ ማእከል ክልተ ቅልውላው ዝተቐርቀሩ ተጋሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓጸቦ ዘለዉ ተገሊጹ።
Share