ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ው/ሕ/ሃ፣ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ትግራይ ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ትጽቢት ይግበር።(ጸብጻብ)

Homeland Report

Source: UN

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ዝቕጽል ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓቀብቲ ሰላም ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ዝእውጅ መፍትሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ 2417 ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ውሳኔ ተግባራዊ ከይኸውን ሚስዮናቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ኣዋፊሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ክሕግዛ ከም ዘይዓደመት ገሊጻ። እዚ መግለጺ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእን ምንጻግ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ሱዳንን ግብጽን ኢትዮጵያ ቅድሚ ስምምዕ፣ ንግድብ ህዳሴ ማይ ከይትመልእ ዝቃወም ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺአን፣ መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ቢልዮን ቅርሺ ከም ዝኸሰረ ተሰሚዑ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ው/ሕ/ሃ፣ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ትግራይ ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ትጽቢት ይግበር።(ጸብጻብ) | SBS Tigrinya