SKIP TO MAIN CONTENT

ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ው/ሕ/ሃ፣ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ትግራይ ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ትጽቢት ይግበር።(ጸብጻብ)

Homeland Report
Source: UN

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ዝቕጽል ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓቀብቲ ሰላም ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ዝእውጅ መፍትሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ 2417 ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ውሳኔ ተግባራዊ ከይኸውን ሚስዮናቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ኣዋፊሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ክሕግዛ ከም ዘይዓደመት ገሊጻ። እዚ መግለጺ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእን ምንጻግ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ሱዳንን ግብጽን ኢትዮጵያ ቅድሚ ስምምዕ፣ ንግድብ ህዳሴ ማይ ከይትመልእ ዝቃወም ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺአን፣ መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ቢልዮን ቅርሺ ከም ዝኸሰረ ተሰሚዑ።

Published

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ዝቕጽል ረቡዕ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓቀብቲ ሰላም ክዋፈሩ፣ ፈጸምቲ ገበን ኩናት ክሕተቱ፣ ማዕቀብ ክንበር ዝእውጅ መፍትሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ 2417 ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ውሳኔ ተግባራዊ ከይኸውን ሚስዮናቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ኣዋፊሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ክሕግዛ ከም ዘይዓደመት ገሊጻ። እዚ መግለጺ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእን ምንጻግ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ሱዳንን ግብጽን ኢትዮጵያ ቅድሚ ስምምዕ፣ ንግድብ ህዳሴ ማይ ከይትመልእ ዝቃወም ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺአን፣ መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ቢልዮን ቅርሺ ከም ዝኸሰረ ተሰሚዑ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now