ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሰ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ማሕበረሰብ ዓለም ክግድፋ ሓቲቱ። (ጸብጻብ)

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ። "ንህዝቢ ኦሮሞ ካብ መረበቱ ምፍንቓል ኣብቂዑ ኣሎ" ክብል ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ተዛሪቡ። ንመሓዝኦም ዝቐተሉ ኤርትራውያን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 22 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።
Share