ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ።

Source: Ethiopia
ሰማዕትና ሰማዕቲ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ል ኡኽና ካብ ኢትዮጵያ ሓጸርቲ ጸብጻባት ናይዚ መዓልቲ ሰዲዱልና ኣሎ ኣርእስቲ ጸብጻባት እዞም ዝስዕቡ’ዮም፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ። እቲ ኩባንያ ልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ ብፍርቂ ናብ ውልቀ ክዛወር ተሓሲቡ ሓደ ዘቤታዊ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካል ሰነድ ጨረታ ከም ዘእተዉ ተገሊጹ ኣሎ። ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስተመልሱ፣ ካብ ትግራይ ዝኸዱ፣ ኣብ ታሕተዋይ ጸፍሒ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ዝርከቡዎም ልዕሊ 700 ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተሰሚዑ። ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ፀገማ ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ውሑስ ክወጹን፣ ቀረባት ክወሃብን ዝጠልብ ሰልፊ ዜግነት ኤርትራን ኣሜሪካን ዘለወን ኤርትራውያን ደቂ ኣነስትዮ ኣካይደን። ልዕሊ 100 ኣብ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም። ውግእ ኣብ ትግራይ ምስተጀመረ ተመምዮም ዝተረፉ ልዕሊ 20 ሽሕ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ’ዩ ዝግለጽ። ዝርዝር ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።
Share