ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ።

Homeland News

Source: Ethiopia

ሰማዕትና ሰማዕቲ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ል ኡኽና ካብ ኢትዮጵያ ሓጸርቲ ጸብጻባት ናይዚ መዓልቲ ሰዲዱልና ኣሎ ኣርእስቲ ጸብጻባት እዞም ዝስዕቡ’ዮም፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ። እቲ ኩባንያ ልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ ብፍርቂ ናብ ውልቀ ክዛወር ተሓሲቡ ሓደ ዘቤታዊ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካል ሰነድ ጨረታ ከም ዘእተዉ ተገሊጹ ኣሎ። ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስተመልሱ፣ ካብ ትግራይ ዝኸዱ፣ ኣብ ታሕተዋይ ጸፍሒ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ዝርከቡዎም ልዕሊ 700 ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተሰሚዑ። ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ፀገማ ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ውሑስ ክወጹን፣ ቀረባት ክወሃብን ዝጠልብ ሰልፊ ዜግነት ኤርትራን ኣሜሪካን ዘለወን ኤርትራውያን ደቂ ኣነስትዮ ኣካይደን። ልዕሊ 100 ኣብ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝነበሩ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም። ውግእ ኣብ ትግራይ ምስተጀመረ ተመምዮም ዝተረፉ ልዕሊ 20 ሽሕ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ’ዩ ዝግለጽ። ዝርዝር ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል’ዩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኢትዮ-ቴሌኮም ንምውናን ክጫረቱ ወጢኖም ካብ ዝነበሩ 12 ዓለምለኻዊውያን ኩባንያታት ብስግኣት ፀጥታ እቶም 10 መደቦም ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ። | SBS Tigrinya