ኲናት ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ይቕጽል፡ ሓንቲ ነፋሪት ምውዳቓ ተገሊጹ።

Source: EBC
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዘበረ ገዱ ኣንዳርጋቸው ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።፡ ኣብ ክንድኡ ኣቶ ደመቀ መኮንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ። ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ። ናይ ክልል ኣምሓራ ፕረሲደንት ዝነበረ ተመስገን ጥሩነህ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ከምዝኾነ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። ካልእ ዝተሾሙን ዝወረዱን ሰበ ስልጣናት ከምዘለዉ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
Share