Source: SBS Tigrinyaቐዳመ ሰንበት ክሳለጥ ዝተፈተነ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን በገለ መዋሰንቲ ዝቐንዐ ኮይኑ ብገለ ከዓ ከም ኣይሰመረን። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ግዝኣት ስዌቶ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሃገራት ወፃኢ ብዝተኸፍተ መጥቃዕቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ምማቱ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዜጋታቱ ክጥንቀቑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ተላብዩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ፣ ወረዳ ሎሜ፣ ጣብያ ኤጄሬ ወታደራዊት ሄሊኮፕተር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተሓምሺሻ ዝፀዓነቶም 17 ሰባት ምማቶም ስዒቡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ይምርምር ከም ዘሎ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ 1983 ዓ.ም ( 1991 G.G) ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተሰናበቱ ኣባላት መሰል ጥሮታኦም ከምዝሕለወሎም ምኽትል ጠቅላይ ኢታማዦር ሹምን ሓላፊ መምርሒ ዘመቻን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ብርሃኑ ጁላገሊፆም። ካብ ማእኻላይ ኮሚቴ ውዳበ ኣምሓራ ብኣዴን ዝተኣገዱ ገዲም ተጋዳላይ በረከት ስምኦን ኢትዮጵያ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ብውዳበ ኣምሓራ ብኣዴን ዝእጎድ ሓዊ ከይሕምሳ ከም ዘስግኦም ተዛሪቦም፡፡
ቐዳመ ሰንበት ክሳለጥ ዝተፈተነ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን በገለ መዋሰንቲ ዝቐንዐ ኮይኑ ብገለ ከዓ ከም ኣይሰመረን። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ግዝኣት ስዌቶ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሃገራት ወፃኢ ብዝተኸፍተ መጥቃዕቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ምማቱ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዜጋታቱ ክጥንቀቑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ተላብዩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ፣ ወረዳ ሎሜ፣ ጣብያ ኤጄሬ ወታደራዊት ሄሊኮፕተር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተሓምሺሻ ዝፀዓነቶም 17 ሰባት ምማቶም ስዒቡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ይምርምር ከም ዘሎ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ 1983 ዓ.ም ( 1991 G.G) ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተሰናበቱ ኣባላት መሰል ጥሮታኦም ከምዝሕለወሎም ምኽትል ጠቅላይ ኢታማዦር ሹምን ሓላፊ መምርሒ ዘመቻን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ብርሃኑ ጁላገሊፆም። ካብ ማእኻላይ ኮሚቴ ውዳበ ኣምሓራ ብኣዴን ዝተኣገዱ ገዲም ተጋዳላይ በረከት ስምኦን ኢትዮጵያ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ብውዳበ ኣምሓራ ብኣዴን ዝእጎድ ሓዊ ከይሕምሳ ከም ዘስግኦም ተዛሪቦም፡፡