Source: Getty Imagesምምሕዳር ናይታ ካብ ኣዲስኣበባ ኣብ 130 ኪ.ሜ ርሕቐት ትርከብ ከተማ ደብረብርሃን: ታሴራ ዘይብሉ ሰብ ከይንቀሳቐስ ከም ዝኸልከለ ገሊጹ። ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብግዲኡ ሰራዊቱ ናብ ከተማ ደብረብርሃን ይጽጋዕ ከም ዘሎ ብምግላጽ ህዝቢ እታ ከተማ ተወዲቡ ንብረቱ ክሕሉ ፀዊዑ። ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ሓበሬታ ነጺጉዎ። ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ነፈርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ መቐለ ዳግማይ ተጀሚሩ ተባሂሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ሶማልያ መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ዘጋጠመ ድርቂ ንምምካት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣንቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ
ምምሕዳር ናይታ ካብ ኣዲስኣበባ ኣብ 130 ኪ.ሜ ርሕቐት ትርከብ ከተማ ደብረብርሃን: ታሴራ ዘይብሉ ሰብ ከይንቀሳቐስ ከም ዝኸልከለ ገሊጹ። ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብግዲኡ ሰራዊቱ ናብ ከተማ ደብረብርሃን ይጽጋዕ ከም ዘሎ ብምግላጽ ህዝቢ እታ ከተማ ተወዲቡ ንብረቱ ክሕሉ ፀዊዑ። ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ሓበሬታ ነጺጉዎ። ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ነፈርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ መቐለ ዳግማይ ተጀሚሩ ተባሂሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ሶማልያ መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ዘጋጠመ ድርቂ ንምምካት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣንቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ