ኣብ ኤርትራ ከባቢ ሕምብርቲ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ብልዕሊ 14 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ፕሮጀክት መስኖ ተመሪቑ። (ካብ ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብሰብ ስራሕን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ተጸበይቲ ረድኤት ዝኾኑ ሰባት ኣስታት 22 ሚልዮን ከም ዝበጸሐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ምስ ትግራይ ከም ዝቕጽል ገሊጹ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ ማዕቀብ መሸጣ ኣጽዋር ብመሸጣ ድሮናት ቱርኪ ይጠሓስ ኣሎ ክትብል ከሲሳ። ብካልእ ወገን: "ቅድመ መጠንቀቕታ ዘይብሉ ምንቁልቋል ውሕስነት ፀጥታ" ብምስጋእ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክወጹ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዳግማይ ጸዊዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣላማጣ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ድሮንን ነፈርትን ብውሑዱ 42 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 150 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ቀሪቡ ኣሎ።
Share