ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓይሊ ዝግበር ምምላስ ስደተይናታትን መቕተልትን ተቓዊሙ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥ ኢትዮጵያ ሰለስተ ክልላት ዘይተሳተፋሉ ሻድሻይ ዙርያ መረጻ ሎምዓንቲ ተሳልጥ ኣላ። ሓይልታት ትግራይ ኣሉላ ኢሎም ብዝሰመዩዎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክልተ ክፍለሰራዊት ኢትዮጵያን ሓገዝቱን ከም ዝደምሰሱ ይገልጹ ኣለዉ። ዓሰርተ ሰርሓተኛታት በዓል መዚ መገድታት ኢትዮጵያ ብመኪና ክጎዓዙ እንከለዉ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሰሚዑ። ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓይሊ ዝግበር ምምላስ ስደተይናታትን መቕተልትን ተቓዊሙ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ደቡባዊ ክፍሊ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ከግዕዞም ይዳሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ።
Share