ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፊልትማን ንኮሚቴ ሰነት ርክባት ወጻኢ ኣሜሪካ መብርሂ ክህቡ እዩ።

Source: Getty Images
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ሸኔ' ብዝብል ኣብ መዝገብ ፈጣሪ ራዕዲ ኣእትየዮ ዝበሎ ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝሰሚ ዕጡቕ ሰለስተ ቻይናውያን ከም ዝዓገተ የፍልጥ። እዚ ፍጻመ ኣብ ጽባሕ ቻይና ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ 19ን ገንዘብን ሓጊዘ ዝበለትሉ እዋን ዩ። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፊልትማን ንኮሚቴ ሰነት ርክባት ወጻኢ ኣሜሪካ መብርሂ ክህቡ እዮም። ወከልቲ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣባላት ሰልፍታት ዴሞክራትን ሪፖብሊካንን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ መሰል ዝገሃሱ ኣካላት ማዕቀብ ክግበር ቀዳማይ ውራይ ገይሮም ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ ኣሎ። ብሰንኪ ሓዱሽ ዝተወልዐ ጎንጺ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ናብ ሱዳን ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።
Share