ኣሜሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ድሮናት ክተዋፍር ምግላጻ ስዒቡ ፤ ኢራንውን ኣብቲ ከባቢ መራኽብ ኲናት ክተዋፍር ከም ዝወጠነት ይግለጽ ኣሎ። (ኣርእስታት ጸብጻብ)

Source: Getty Images
ኣርእስታት ዜና፥ ኤርትራ: ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንዝኹንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማ፤ ኢትዮጵያ ድምጻ ዓቂባ። ኣሜሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ 100 ድሮናት ክተዋፍር ምግላጻ ስዒቡ ፤ ኢራን ውን ኣብቲ ከባቢ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ክተዋፍር ከም ዝወጠነት ይግለጽ ኣሎ። ኢትዮጵያ፣ ነቲ ቅድሚ 6 ዓመታት ዝተዛዘመ መስመር ባቡር ኣዲስ ኣበባ ንኣውሮጳ ክትሸጦ ትሸባሸብ ከም ዘላ ተፈሊጡ። ቤትፍርዲ ገበናት ዝነበራ ጋምቢያዊት ፋቱ ቤንሱዳ ፤ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ናይ ዝምርምር ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣዶ መንበር ኮይነን። ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ብወግዒ ፈሪሱ።
Share