Credit: Timon Reinhard/Unsplashኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዕዉት መጥባሕቲ መዓናጡ ተኻይዱ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ብር እምነ ኩርናዕ ፕሮጀክት እምነ ሰረት ተቐሚጡ። ኣብ መኾኒ ብዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሰብን መውቃዕትን ዝተጠርጠሩ ዛጊድ ድማ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡ ካብዚኦም ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት እዮም። ሰለስተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ን ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ እስመለኣለም ምሕረቱ ሓዊስካ ንሰለስተ ሰበስልጣን ከም ዝኣለየ ተገሊጹ።
Published
Presented by Tsegay Kinfe
Source: SBS
Skip to podcast episode contentShare this with family and friends
ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዕዉት መጥባሕቲ መዓናጡ ተኻይዱ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ብር እምነ ኩርናዕ ፕሮጀክት እምነ ሰረት ተቐሚጡ። ኣብ መኾኒ ብዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሰብን መውቃዕትን ዝተጠርጠሩ ዛጊድ ድማ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡ ካብዚኦም ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት እዮም። ሰለስተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ን ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ እስመለኣለም ምሕረቱ ሓዊስካ ንሰለስተ ሰበስልጣን ከም ዝኣለየ ተገሊጹ።
Check out our podcast collection here