ኣብ ትግራይ ኣብ 5 ግንባራት ደማዊ ውግእ ከም ዝቐጸለ ገሊጹ። (ጸብጻብ)

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻባት ኣለና ኣርእስታቶም ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ተወሳኺ ተንቀሳቃሲ ኣምባሳደር ከም ዝመደበት ኣፍሊጣ። ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ማእከላይን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ሰላማውያን ምቕታል ከም ዝቐጸሉሉ ተሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ ተኸላኺሉ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ 5 ግንባራት ደማዊ ውግእ ከም ዝቐጸለ ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊጹ።
Share