ብምኽንያት ልደት ንግስቲ፡ ክብሪ ዝረኸቡ ኣውስትራሊያዊያን።

: Yvonne Weldon Source: SBS
ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ሰባት ትማሊ (ሰንበት 12 ሰነ) በቲ ንሃገር ዘበርከትዎ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ረኺቦም ፤ እዚ ኣፍልጦ ብምኽንያት ዕለት ልደት ናይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር እዩ ። ገለ ካብቶም ተቐበልቲ ሽልማት ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ኦፐን ዉድድር ቴኒስ ሻምፒዮን ኣሽ ባርቲ ፡ ናይ ቀደም ሕክምና ሓላፊ ብረንዳን ሙርፊ ፡ ናይ ሜልቦርን ዘየምቲ ቪካን ሊንዳ ቡልን ከምኡውን ፡ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝሞተ ኣውስትራልያዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ክርኬት ሸን ዋርነ ይርከብዎም ። ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕ ባህሊ ንዘለዎም ማሕበረሰብ ብዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ እውን ኣፍልጦ ረኺቦም እዮም ።
Share