ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ዞባዊ ኲናት ይኸውን ኣሎ፡ ሳዕቤኑ እንታይ ክከውን’ዩ? (ትንታነ)

Sudanese protesters hold national flags of Ethiopia, Eritrea, Sudan, and Somalia Source: Getty Images/AFP
እዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል መንግቲ ኢትዩጵያን ሰራዊት ትግራይን ዝግበር ዘሎ ኩናት ምስጀመረ ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ እንተተፈጢሩ ብምልኡ እቲ ዞባ ኣይክረጋጋእን እዩ።” ክብል ገሊጹ ኔሩ። ራሺድ ዓብዲ ዝተባህለ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝገለጾ’ ድማ “እዚ ኲናት ድሮ ዞባዊ ኲናት ኮይኑ እዩ” ክብል ደምዲሙ ኣሎ። "እቲ ዞባ ስትራተጂካዊ ብምዃኑ እቲ ጽልዋ ዓቢ እዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ድማ ክሳተፋኦ እየን፡ ሱዳንኳ ድሮ ኣብዚ ትሳተፍ ኣላ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣህጉራዊ ጉጅለ ቅልውላው (International Crisis Group) ከምዘጠንቅቖ፡ እዚ ኲናት ብህጹጽ ደው እንተዘይ’ሉ ብምሉኡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ክወድቕ እዩ።
Share