ብዛዕባ ምሕታት ናይ ሓገዝ ገንዘብን ግብረ ሰናይን ዝምልከቱ ሕግታት እንታይ እዮም ? ከም ዘይጠፋፋእ ወይ ሃክ ከምዘይግበር ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል? ወፈያ ትገብር እንተ ኣሊኻ ፡ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ገዛእ ርእስኻ ትሓትት እንተ ኣሊኻ ፡ ወይ ከኣ ኣብ ኦንላይን ናይ ክራውድፍንዲንግ ናይ ምሕጽንታ ሕቶ ትጅምር እንተ ኣሊኻ ክትፈልጦ ዝግባእ ኣብዚ ትሕዝቶ ኣሎካ ።
- እቲ ግብረ ሰናይ ሕጋዊ ምዃኑ ብምንታይ ከረጋግጽ እኽእል?
- እቲ ዝውፍዮ ወፈያ ካብ ግብሪ ዝጎድል ድዩ?
- ንሓገዝ ምእካብ ዝምልከት መን ይቆጻጸሮ?
- እቲ ምእካብ ሓገዝ ናይ ምጥፍፋእ ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጦ እኽእል?
- እቲ ዝውፍዮ ሓገዝ ንሓደ ጽቡቕ ተግባር ምዃኑ ዝምልከት እንታይ ክእፈል ይግባእ?
- ብ ኦንላይን ንዝግበር ናይ ሕግዙና ጻውዒት ዝምልከት ሕጊ እንታይ እዩ?
ናይ ኣውስትራሊያ ግብረ ሰናያዊ ጽላት ብስፍሓት መጠን ዘለዎ ዝተፈላለየ ግብረሰናያት ዝቖመ እዩ ፤ ካብ ከባቢያዊ ማሕበረሰብ ክሳብ ኣህጉራዊ ናይ ረድኤት ትካላት ዝዝርጋሕ እዩ።
ኩሎም ናእሽቱ ማሕበራት ግብረሰናይ ኣብ ናይ ሃገራዊ ተቖጻጻሪ ፣ ወይ ኣብ Australian Charities and Not-for-profits Commission (ACNC) ኣይተመዝገቡን ።
እቲ ግብረ ሰናይ ሕጋዊ ምዃኑ ብምንታይ ከረጋግጽ እኽእል?
እቲ ናይቲ ግብረሰናይ ድሕሪ ባይታ ብቐሊሉ ኣብ ACNC Charity register. ብምእታው ክፍለጥ ይከኣል እዩ።
ኣብ ናይ ACNC መዝገብ ምምዝጋብ ማለት እቲ ናይ ግብረሰናያዊ ትካል ንገለ መለክዕታት ከማልእ ኣለዎ ማለት እዩ ። እዚ ከም ንመኽሰብ ከምዘይሰርሕን ምስ ናይ ምሕደራ መዐቀኒታት ዘማልእ ምዃኑን ዘረጋግጽ እዩ ።
ኮሚሽነር ACNC ሱ ዉድዋርድ ንግብረ ሰናይ ቅድሚ ምልጋስካ እቲ ምዝጉብ ምዃኑ ምጽራይ ጠቓሚ እዩ ትብል ።
"ነቲ ግብረ-ሰናይ መን ከም ዝጥቀመሉ ሓበሬታ ክህበካ ስለ ዝኽእል: እንታይ ዓይነት ንጥፈታት እዩ ዝገብር: ገንዘቡ ካበይ ከም ዝረኽቦ ።
ብተወሳኺ "ናይ ሓቂ ምዝጉብ ግብረ ሰናይ ምዃኑ ክትኣምን ትኽእል ኢኻ ከምኡ" ውን ብዛዕባ ሰናይ ምምሕዳር ንዝተወሰነ ሕግታት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎም ። "
እቲ ዝውፍዮ ወፈያ ካብ ግብሪ ዝጎድል ድዩ?
ንዝሃብካዮ ወፈያ ካብ ግብሪ ክጎድለልካ እንተኾይኑ እቲ ግብረሰናይ ብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣውስትራሊያ ኣፍልጦ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ፡ Deductible Gift Recipient status.
ናብ ABN Lookup ብምእታው ናይቲ ግብረሰናይ ኩነታት DGR ምርግጋጽ ይከኣል ዩ።
ካብ ቀረጽ ክጎድለልካ እንተደሊኻ ነቲ ቅብሊት ከም ናይ ወፈያኻ ዓቅቦ ።

ንሓገዝ ምእካብ ዝምልከት መን ይቆጻጸሮ?
ኣብ ኣውስትራሊያ ኩሎም መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶሪታትን ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሕጊታትን ናይ ምቁጽጻር ስልጣናት ኣለውዎም ።
ኮሚሽነር ውድዋርድ "ACNC ንመሰሰኒ ማዕከን ዝቆጻጸር ኣካል ኣይኰነን" ትብል ።
"ንኣብነት ፡ ሓደ ትካል ኣብ ማእከል ዕዳጋ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ዝእክብ እንተኾይኑ ፡ ከከም ኩነታትኩም ዝፈላለይ ዝርዝራዊ ሕግታት ክኽተሉ ኣለዎም ።"
ከምኡ "ውን ምስ ገንዘብ ዝእክቡ ወይ ፋንድራይዝ ዝገብሩ ን ናይቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ፍቓድን ካልእ ሕጋጋትን ዝግዛእ ይኸውን ።, ከም ንሕግታት Australian Consumer Law ን Privacy laws.
ብዛዕባ ናይ ግብረሰናይ ኣሰራርሓ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እንተተረኺቡ ነቲ ናትካ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶሪ ተቖፃፃሪ ክተፍልጦ ትኽእል ።
ብዛዕባ ናይ ከባቢኻ ተቖጻጻሪ ሕጋጋትን ሓበሬታን ጽማቝ ናይ ማዕከን ሓበሬታ ንምርካብ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ መስመራት ርኸቦም ፥
- Australian Capital Territory
- New South Wales
- Northern Territory
- Queensland
- South Australia
- Tasmania
- Victoria
- Western Australia
ምዝጉብ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካል ንዝእከብ ገንዘብ ብግቡእ ኣየመሓድሮን እዩ ኢልካ ትኣምን እንተኾይንካ ናብ the ACNC.ሪፖርት ክትገብር ትኽእል።
"እንተ ደልዮም ፡ መንነቶም ሓቢኦም ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ሻቕሎት ኣርዚንና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና" ትብል ኮምሽነር ውድዋርድ ።

እቲ ምእካብ ሓገዝ ናይ ምጥፍፋእ ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጦ እኽእል?
ካብ ናይ ኦንላይን ምጥፍፋእ ምእካብ ገንዘብ ንምምላጥ ፡ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከምዘለካን እቲ ማዕከን ገንዘብ ሕጋዊ ምዃኑን ኣረጋግጽ ።
ብዛዕባ ሓደ ንሓገዝ ገንዘብ ዝእክብ ሰብ ዘጠራጥረካ ነገር እንተ ኣልዩ ፡ ኣይትወፊ ። ክብል ፒተር ሂልስ-ጆንስ ይመክር ።
ንሱ ሓላፊ the Public Fundraising Regulatory Association : ኢዝ ማሕበር ናይ ኢንዱስትሪ ኣካል ማሕበራት ግብረ ሰናይ ኰይኑ: ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ገጽ ንገጽ ዝግበር ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝውክል እዩ ።
ግዜ ውሰድ ፡ ደው በል.. ኩሉ ግዜ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኽተረግግጽ ትኽእል ኢኻ ወይ ድማ ንምርግጋጽ ናብ ግብረሰናይ ክትድውል ትኽእል ፡ ብድሕሪኡ ኣብ መጻኢ ግዜ ወፈያ ክትገብር ትኽእል ኢኻ ።Peter Hills-Jones
ሚስተር ሂልስ-ጆንስ ፡ ኣብ ገጽ ንገጽ ዝግበር ምእካብ ወፈያ ናይ ምጥፍፋእ ምዃኑ ዝሕብር ሰለስተ ቀይሕ ምልክታት ዘርዚሩ ኣሎ ።
እቲ ውልቀ ሰራሕተኛ ናይ ወፈያ ገንዘብ ዝክብ ዩኒፎርም ዘይለበሰ ምስዝኸውን ።
ስእሊ ዘለዎ መለለዪ ካርድ የብሎምን።
ብጥረ ገንዘብ ወይ ናይ ሓደ-እዋን ጥራይ ወፈያ ዝሓቱ እንተኾይኖም።

ገጽ ንገጽ ዝግበር ምእካብ ሓገዝ ብሞያውነትን ኣኽብሮትን ክመላለሱ ግዴታ ኣለዎም ።
"እቲ ዝውህለል ናይ ወፈያ ገንዘብ ንምንታይ መዓላ ከምዝኾነ ምስዝሕተቱ ብንጹር ክገልጹ ኣለዎም ።
"እቲ ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ደገ ዝሕተት ዘሎ ውልቀ-ሰብ ወፈያ ክገብር ዝደሊ ኰይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዎ: ድሌቶም ክኽበር ኣለዎ ።"
እቲ ዝእከብ ናይ ወፈያ ገንዘብ ናይ ምጥፍፋእ ምዃኑ እንተጠርጢርካ ፡ ወፈያ ዘይምሃብን ኣብ ከባቢኻ ናብ ዝርከብ ናይ ተቘጻጻሪ ትካል ምሕባርን ኣገዳሲ እዩ። national Scamwatch service.
እቲ ዝውፍዮ ሓገዝ ንሓደ ጽቡቕ ተግባር ምዃኑ ዝምልከት እንታይ ክፈልጥ ይግባእ?
ገንዘብ ወፈያ ዝእክቡ ውልቀ-ሰባት ቲ መዐቀኒ ካብ መምሕድዳር ግዝኣታትን ተሪቶርዮታትን ከም ዝፈላለ ኽዝክሩ ኣለዎም ።
ጠበቓ ኤሚ ዊልያምስ ፡ ካብ Justice Connect’s Not-for-profit Law service, ፡ እንታይ ዓይነት ሕግታት ክትስዕብ ከም ዘሎካ ንምፍላጥ ፡ ወትሩ ምስ ተቘጻጻሪት ሕጊ ኽትራኸብ ከም ዘሎካ ምኽሪ ትህብ ።
እዚ ነቲ ዝእከብ ገንዘብ ንውልቅኻ እንተዘይኮይኑ ጥራይ እዩ ።
ሚስ ዊልያምስ ፡ "ኣብ ወጻኢ ሃገር ብወለንታ ኣብ ፍሉይ ዕዮ ንዚካፈሉ ሰባት ወይ ኣብ ስራሕ ንዚካፈሉ ናይ ወለንታ ሓገዝ ፡ ንፈተውትኻ ወይ ንስድራ ቤትካ ብገንዘብ ኽትሓቶም ትኽእል ከም ንወጻኢታት ሕክምና ክኽፈል ዘድልዮ ሰራሕተኛ እንተ ኣልዩ ፡ እዚ ስርዓታት እዚ ፡ ብመሰረቱ ብሕጊ ምእካብ ገንዘብ ኣይውሰንን እዩ" በለት ።

ብ ኦንላይን ንዝግበር ናይ ሓግዙና ጻውዒት ዝምልከት ሕጊ እንታይ እዩ?
ንኣብነት: ብናይ crowdfunding ዝተባህለ መድረኽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምሕታት እንተጀሚርካ ፣ ምስ ምእካብ ገንዘብ ዝምልከት ብሕጊታት ክትግዛእ ኣለካ ክትብል ሚስ ዊልያምስ ተጠንቅቕ።
ኣብ ናይ ኦንላይን crowdfunding , ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳራዊ ግዝኣትን ቶሪቶሪን ፍቓድ ሊቸንሳ የድልየካ እዩ።Amy Williams
"ገለ ካብቲ ናይ crowdfunding መድረኽ ፡ መምርሒ ክህበካ እዩ ፣ ሓድሓደ ግዜ ፡ ብዛዕባ እዚ ዘይንጹር ስለ ዝዀነ ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕጋዊ ምኽሪ ኽትሓትት ኣሎካ ።"
ኣብ መወዳእታ ከኣ ፡ እቶም ብኦንላይን ኣብ ምእካብ ሓገዝ ዚዋፈሩ ሰባት ፡ ነቲ ገንዘብ ዜዋጽእሉ ምኽንያት ብንጹር ኺገልጽዎ ኣለዎም ።
"ለገስቲ ሓገዝ እውን 'ዕላማ እዚ ማሕበር እዚ እንታይ እዩ ?" ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም ። በዚ ድማ እቲ ገንዘብ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጥ፣"።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au






