Key Points
- መስርሕ ብ ሕጋዊ ምልዋጥ ስም በቲ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ናልደት ፣ ሞት ን መርዓን ( the Registry of Births, Deaths & Marriages ) ኣብ መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይ ተሪቶርይ እዩ ዝግበር ።
- እቲ መስርሕ ከከም ትነብረሉ ከባቢ ክፈላለ ይኽእል እዩ ።
- Iኣብ ገለ ኩነታት ፡ ንኣብነት ድሕሪ መርዓ ፡ ስምኻ ብመገዲ BDM ምቕያር ኣየድልን እዩ ።
- ስምኻ ምስ ቀየርካ ፣ ንዉሽጣዊ ጉዳያት ሓዊስካ ንትካላት ናይ ምፍላጥ ሓላፍነት ኣለካ ።
ሕጋዊ ስምካ እቲ ኣብ መለለዪ ወረቐት ክም ኣብ ሰርቲፊኬት ልደትካ ፡ ፓስፖርትኻ ወይ ቪዛኻ ዝርከብ እዩ ።
ናይ ኣውስትራሊያ ዜጋ ወይ ቀዋሚ ነባራይ እንተኾይንካ ሕጋዊ ስምኻ ብናይ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ልደት ፤ ሞት ከምኡ "ውን መርዓ (Registry of Births, Deaths & Marriages )(BDM). ክትቅይሮ ትኽእል ።

A close up view of an Australian Birth Certificate in Sydney, (AAP Image/Paul Braven) Source: AAP / PAUL BRAVEN/AAPIMAGE
ንምንታይ ስም ይቕይር?
ሰባት ነቲ ሕጋዊ ስሞም ብብዙሕ ብሕታዊ ምኽንያታት እዮም ዝቕይርዎ ።
ደሪሰ ኩቢን ወሃብ ቃል ጉጅለ BDM ኣብ ኣክሰስ ካንቤራ ብዛዕባዚ ከምዚ ይብል: - "ንሓደ ሰብ ናይ ጾታ መንነቱ ብዝሓሸ መልክዑ ዘይገልጾ እንተኾይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ዝግበር መርዓ ናይ መወዳእታ ስም ወይ ሰርኔም ምቕያር: ብሕጋዊ መገዲ ስምካ ተለዋዋጢ ወይ ሳጓ ቅቡል ንምግባር ዝኣመሰሉ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል እዩ ።"
ከም ስነ-ጥበባዊ ኤሊየት ፎክስ ዝበሉ'ውን ናብ ኣውስትራሊያ ምስ ገዓዙ ስሞም ዝቕይሩ ኣለዉ።
ቈልዓ ከሎ ምስ ስድራ ቤቱ ካብ ናይ ቀደም ቸኮስሎቫክያ እዩ ተሰዲዱ ።
"ኣብዚ ምስ መጻና እሞ ኣስማትና ብናይ ኣውስትራሊያ ኢሚግሬሽን ምስ ተመዝገበ ፡ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝነበሩ ምልክታት ናባ ተኣልዮም... እዚ ከኣ ፡ ስማትና ካብቲ ክድመጽ ዘለዎ ብእተፈልየ መገዲ ይድመጽ ነበረ ። ኣብ ኣውስትራልያ ስለ ዝዓበኹ ፡ ምስ ስመይ ምግጣም ኣጸጊሙኒ እዩ ፣ እዚ ድማ ምትእምማን ከሕድረለይ ኣይከኣለን ።"
ኤሊየት ምስ ዓበየ ፡ ስሙ ናብቲ ዝፈትዎ ስም ክቕይሮ መረጸ ፣ እዚ ከኣ ነቲ ዝነበሮ ምትእምማን ክብ ኣበሎ ፡ ከም ሰኣሊ መጠን ድማ መንነቱ ብዝያዳ ተመሳሲልሉ ።

Close up of a birth certificate. Source: iStockphoto / Yau Ming Low/Getty Images
መህራንጊዝ ታባታብሲ ኣብ ናይ ታዝማኒያ ማእከል ማይግራንት ሪሶርስስ ናይ ስደተኛታት ጉዳያት ምጥያስ ማናጀር እያ ። ብዙሓት ዓማዊል ከምኡ ክገብሩ ሓጊዛቶም እያ ።
" ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዚጣየስሉ እዋን ካብ ሚያንማር ዝመጹ ሰባት በዚ ጉዳይ ብብዝሒ ዘጋጥሞም ሰባት እዮም ፣ እዚ ከኣ ስማዊ ኣኣበሃህላ በርምኛ ምዃኑ ዝሕብር እዩ ። እቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ጌጋ እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ስም ከም ሰር ኔም ስለዝሕሰብ እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ህዝቢ ሚያንማር እዚ ሰር ኔም ዝበሃል ስም ኣይጥቀሙን እዮም። "
ሓንቲ ካብ ሚያንማር ዝመጸት ጐርዞ ፡ ክልተ ክፋል ዘለዎ ቀዳማይ ስም እምበር ሰርኔም ኣይነበራን ።
ቤት ትምህርታ ፡ ናይ ባንክ ሕሳባን ቤት ጽሕፈት ቀረጽ ኣውስትራልያን ንስማ ብእተፈላለየ መገዲ ተርጒሞሞ ፡ ተኸታታሊ ምድንጋር ድማ ፈጢሩ ።
"ገሊኦም ነቲ ቀዳማይ ክፋል ናይ ስማ ከም ሰርኔም ይጥቀሙሉ ፡ ገሊኦም ነቲ ካልኣይ ክፋል ይጥቀሙሉ ፡ ገሊኦም ንኽልቲኡ ክፍሊ ብሓንሳብ ብሓባር ከኣ ብሓደ ከም ሰርኔም ይጥቀሙሉ ። ኣብ መወዳእታ ፡ ኣብ መዝገብ ልደት ፡ ሞት ን ሓዳር ሕጋዊ ስማ ክቕየር ኣመልኪታ። ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ስማ ኩሉ እቲ ስርዓት ብዝፈልጦ ቀይራኣቶ ። "
ስምካ ኣብ እትቕይረሉ፡ ቅቀይድታት ኣለዉ ድዮም?
እቲ መስርሕ ከከም እትነብረሉ ከባቢ ክፈላለ ይኽእል እዩ ። እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ፡ ኣብ መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይ ኣብ ተሪቶሪኻ ናይ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ መዝገብ ልደት፡ ሞት ከምኡ ድማ መርዓ ( BDM) ምርኣይ እዩ ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ንዝውለዱ ሰባት በቲ ዝተወለድካሉ ኣብ BDM ዝተመዝገበሉ ከተመልክት እቲ ዝቐለለ እዩ ። ከምኡ "ውን ህሉው ነባርነትኩም ምስ እተረጋግጹ ካብዚ ክሊ ስልጣን ወጻኢ ኣብ ዘሎ ምምሕዳር ግዝኣት ከተመልክቱ እውን ክፍቀደልኩም ይኽእል እዩ ።
ናይ ዕድመ ቀይድታት እውን ከከም ትነብረሉ ከባቢ ክፈላለ ይኽእል እዩ ። ንኣብነት ፡ ኣብ ACT ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንኻ ፡ ፍቓድ ወለዲ ከተቕርብ ከም ዘድሊ ደሪሰን ኩቢን ይገልጽ ።
"ይኹን እምበር ፡ ሓደ መንእሰይ ብዘይ ፍቓድ ወለዶም ስሞም ክቕይር ዝገበረሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ ፣ ንኣብነት ፡ ንጾታኦም ብዝሓሸ መገዲ ዝገልጽ ክኸውን ምእንቲ ስሞም ክልወጥ ይኽእል እዩ ።"
ዓበይቲ ፡ ስሞም ክሳብ ሰለስተ ግዜ ኽቕይሩ ይኽእሉ እዮም ። ኣብ ጉዳያት መርዓ ፣ ፍትሕ ወይከኣ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ እዚ ኣይጽብጸብን ።
ስምካ ንኽትቅይር እትገብሮ ውሳነ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ፣ ኣየናይ ስም ከምትመርጽ ድማ ድሩት እዩ ። ንኣብነት ፡ ሃሳዪ እዩ ተባሂሉ ዝቑጸር ወግዓዊ መዓርግ ወይ ስም ምግባር ተቐባልነት የብሉን ።

If you’re an Australian citizen or permanent resident, you have the option to change your legal name through the Registry of Births, Deaths & Marriages (BDM). Credit: Zero Creatives/Getty Images/Image Source
መስርሕ ምምልካት ከመይ ይመስል?
ፈለማ ናይ BDM ቅጥዒ ምምላእ የድሊ ፤ ከምኡ 'ውን መረጋገጺ መንነት ከም ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ወይ መዘወሪ ፍቓድ ምቕራብ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብ ኦንልይን ክዉዳእ ይኽእል እዩ ።
ስምኻ ዝቕየረሉ ምኽንያት ኽትሕተት ትኽእል ኢኻ ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ስምኻ ቀይርካ እንተዄንካ ወይ ከኣ ገበናዊ መዝገብ እንተለካ ሕቶ ይቐርበልካ።
ካብ ተሞኩሮ ኣብ ናይ ACT መዝገብ ዘመልከተ ኤሊየት ፎክስ ኣሎ:
"ኣብቲ ንኸመልክት ኣብዝመጻእክሉ እዋን ዘይሓሰብኩሉ ዝነበርኩ ሓደ ነገር ፡ ሓድሽ ክታም የድልየኒ ነበረ ፡ እቲ ምቕሉል ብዓል ስልጣን መንግስቲ እናተጸበየኒ ከኣ ቀልጢፈ ሓድሽ ክታም ተለማሚደ።"
ስም መጻምዲ ምጥቃም
ኣብ ኣውስትራሊያ ምስ ተመርዓኻ ናይ መወዳእታ ስም ወይ ሰርኔም ክትቅይር ትጽቢት የለን ፡ እንተኾነ ገለ ሰባት ስም ናይ መጻምድቶም ክወስዱ ይመርጹ እዮም ። ገሊኦም ሰብ ሓዳር ፡ ስማት ስድራ በቶም እውን የጣምሩ እዮም ።
ደሪሰን ኩቢን "ኣብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ምምርዓው ናይ መጻምድትኻ ናይ መወዳእታ ስም ወይ ሰርኔም ክትጥቀም እንተደሊኻ ፤ ስምካ ክትቅይር ኣብ መዝገብ ምእታው ኣየድልየን ።
"ናይ ኣውስትራሊያ መዝገብ ናይ ልደት ፣ ሞት ከምኡ" ውን መርዓ ኣብ ቀንዲ ናይ መንነት ሰነዳት ለውጢ ንምምጻእ ብናይ ኣውስትራሊያ መዝገብ ዝተዋህበ ስሩዕ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ከተቕርብ ትኽእል ። "
ድሕሪ ምፍልላይ ፣ ፍትሕ ወይከኣ ብሕታዊ ምርጫ ናብ መበቆላዊ ስምካ ንምምላስ ምስ ዝድለ እውን ተመሳሳሊ እዩ ።
ኣብ ወጻእ ሃገር እንተተመርዒኻ ፤ ወይኻዓ ኣብ ወጻእ ሃገር ተወሊድካኣ ፤ ግን ኣብ ኣውስትራሊያ እንተተመርዒኻ ፤ እቲ ሰነድኻ ኣብ ኣውስትራሊያ ተቐባልነት ኣይህልዎን ስለዚ ናብ BDM. ክተመልክት የድልየኻ ይኸውን ።
ድሕሪ ምምልካትካ እንታይ ይስዕብ?
እቲ ንውሓት ናይ መስርሕ ግዘ ይፈላለይ እዩ ፤ ስለዚ ዝተወሰኑ ሰሙናት ምጽባይ ከድሊ እዩ፤ ከከም እቲ ትቕመጠሉ ከባቢ ድማ ካብ 200-300 ዶላር ክትከፍል ተጸበ ።
መስርሕ ምልክታኻ ምስ ወደአ ፡ ናይ ስም ለውጢ ወረቐት ምስክር ይስደደልካ ።
ነዚ ኣብ ስምካ ዝተገብረ ለውጢ ንብዙሕ ትካላት ከተፍልጥ ኣለካ ። ኤሊዮት ፎክስ ብፍቓድ መዘወሪኡን ፓስፖርቱን እዩ ጀሚሩ ።
"ድሕሪኡ ፡ ቀስ ብቐስ ምስ ዝምልከቶም ትካላት ብምዝርራብ ፡ ስመይ ቀየርኩ ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ኣዝዩ ቀሊል እኳ እንተ ኰነ ፡ ገሊኡ ከም ባንክታት ግን ኣሸጋሪ እዩ ፣ ነዚ ንምፍታሕ ነቲ በቲ ናይ ቀደም ስመይ ሒዘዮ ዝነበርኩ ሕሳብ ብምዕጻው ፡ ሓድሽ ሕሳብ ምኽፋት ቀሊል ኰይኑ ረኸብክዎ ።"

Are there restrictions when changing your name? Credit: Unspalsh - Chuttersnap
ሓድሽ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ድማ ኣይትረስዑ ።
ሓድሽ ፓስፖርት ክትሓቱ ከድልየኩም እዩ ፡ ቪዛ እንተኣለኩም ወይ ድማ ሓደ መመልከቲ እንተሃልይኩም ፡ ስምኩም ክትቅይሩ ንክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓብርዎ ።
ኵነታትካ ብዘየገድስ ግና፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መዝገብ ልደት ፡ ሞትን መርዓን (Registry of Births, Deaths & Marriages ) ኣብቲ መስርሕ ክሕግዘካ እዩ ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au