ናይ ህዝባዊ (public) ን ማሕበረሰባዊ (community) መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Residential houses

There is a diversity of residents in social housing just as in other forms of housing. Source: Getty / Yanzisland

ኣብ ኣውስትራሊያ ብመንግስቲ ዝድጎሙ ናይ ክራይ ገዛ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ስድራቤታት ይዳለው እዩ ። ምዘና ከከም መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶሪ ዝፈላለይ ብናይ ትሕቲ መምዘኒታት ኣድላይነት ዝተመስረተ እዩ ። ንዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ገዛ ሓገዛት ከተመልክቱ ከለኹም እንታይ ክትጽበዩ ኣለኹም ፡ ገለ ልሙድ ኣባሃህላታት ኣብ ከባቢ ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ ከምኡ "ውን ሓገዝ ንምርካብ ናበይ ከተመልክቱ ከምዘለኩም ንምፍላጥ ኣብዚ ትህዝቶ ክጸንሓኩም እዩ ።


እቲ ብዛዕባ ትሑት ክፍሊት ዝኽፈሎ ናይ ክራይ ገዛ ዝኸውን ዝግለጸሉ ኣገላልጻ ዘደናግር ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ንኣብነት ፡ህዝባዊ መንበሪ ( public housing) ገዛን ናይ ማሕበረሰብ መንበሪ (community housing) ኣባይትን ኣብ ሓደ ስርዓት ዘለዉ ግን ዝተፈላለዩ ክፋላት እዮም ።

ዋና ዳይሬክተር the Australian Housing and Urban Research Institute, ዶክተር ማይክል ፎተርንግሃም ነቲ ኣገላልጻ ከፋፊሉ ይገልጾ ።

ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ/Social housing እንታይ'ዩ፣ ህዝባዊ መንበሪ ገዛን ናይ ማሕበረሰብ መንበሪን እንታይ'ዩ ?

ዶ/ር ፈተርንግሃም ፡ "ማሕበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ፡ (Social housing )ንመንበሪን ኮማዊ ኣባይትን ዝሽፍን ሓፈሻዊ ስያመ እዩ" ብምባል ይገልጾ ።

ህዝባዊ መንበሪ ገዛ/Public housing ብመንግስቲ ግዝኣታዊ ምምሕዳራት ይውነንን ይመሓደርን ።

ናይ ማሕበረሰብ መንበሪ ገዛ (Community housing) መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ምስ መንግስቲ ብሽርክነት ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ዝውነንን ዝመሓደርን እዩ ።

Public Housing
Rent in social housing accommodation is set based on household income and capped at around 30 per cent of household income. Source: Getty / Matt Grehan

ናይ መንበሪ ገዛ ሓገዝ ዝግበረሉ ንመን እዩ?

ናይ ነዊሕ እዋን ማሕበራዊ/ social, ፣ህዝባዊ/ public ወይ ናይ ማሕበረሰብ/ community መንበሪ ገዛ ንምርካብ ቅጥዕታት ብናይ ግዝኣታት መንግስታት ዝውሰኑ እዮም ።

"ነፍሲ ወከፍ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶሪን ናይ ገዛእ ርእሱ መለክዒታት ኣለዎ ። ተመሳሳሊ እኳ እንተ ኰነ ፡ ሓደ ግን ኣይኰነን "ይብል ዶክተር ፈተርሃም ።

እቶም ዝበዝሑ ናይ ገዛ ምምሕዳርታት ንትሑት እቶት ንዘለዎም ስድራቤታት ናይ መንበሪ ገዛ ሓገዝ ክህቡ እዮም ዕላማ ገይሮም ዝሰርሑ ።

"እቶም ፍሉይ ዓቕሚ ዘይብሎም ፡ ካብ ዘቤታዊ ዓመጽ ዘምልጡ ፡ ስንክልና ዘለዎም ሰባት እውን ነዚ ንኽረኽቡ መሰል ኣለዎም ። ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእን ነዚ ብቑዓት ዝኾኑን እተፈላለየ መለክዒታት ኣሎ "በለ ።

ስለ ዝተሰደድካ ጥራይ ናይ ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ (social housing) ክረክብ ኣይክእልን እዩ።

ሰባት ናብዚ ስለተሰደዱ ጥራይ ነዚ ክረኽቡ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን።
Dr Michael Fotheringham

"ስደተኛ ምዃንካ ጥራይ ድማ ብኻልእ ምኽንያታት ብቑዕ ከይትኸውን ክዓግተካ ኣይክእልን እዩ" ይብል ዶ/ር ፎተርንግሃም ።

ኣብ ናይ ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ/ social housing መዝገብ ንኽትኣቱ - እቲ ናይ መጸበዪ ዝርዝር/wait list ተባሒሉ ዝፍለጥ - ናብ ከባብያዊ ምምሕዳር መንበሪ ገዛ ኸተመልክት ኣለካ ።

ከም ኣካል ናይ መስርሕ ምዝገባ ፡ ዘድሊ ቅጥዕታት ምምላእን ናይ ብቕዓት መርመራ ምግባር የድሊ ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብምርካብ ብናይ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶሪ ናይ መንበሪ ገዛ በዓል ስልጣን ኣቢሉ ተግባራዊ ይኸውን:

NSW

Victoria

Western Australia 

Queensland 

Northern Territory

South Australia

Tasmania

ACT

ኣብ ሰነ 2024 ኣብ ኣውስትራሊያ ከባቢ 452,000 ዝኸውን ናይ ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ/social housing መንበሪ ገዛ መንበሪታት ነይሩ ። እዚ ድማ ብግምት ናብ 4 ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ኣባይቲ እዛ ሃገር ማለት'ዩ ።

ዶ/ር ፎተሪንግሃም ፡ "ስለዚ ፡ ዚ ብዙሕ ክፋል ዕዳጋ ኣይኰነን ።

"እዚ ማለት ፡ ካብቲ ንማሕበራዊ ኣባይቲ ዝኸውን ቀረብ ንላዕሊ ጠለብ ኣሎና ማለት እዩ ። ከምኡ "ውን ብቑዕን ምቹእን መንበሪ ንምስራሕ ቁሩብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ።"

Suburban Scene
Low to moderate income households who are not eligible for social housing may qualify for affordable housing. Credit: tap10/Getty Images

ብናይ ኣውስትራሊያ ትካል ጥዕናን ድሕንነት ዝተኣከበ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ኣብ 2023-4 ገምጋም ናይ ህዝባዊ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ዝወስዶ ንውሓት ግዜ 18 ኣዋርሕ ይበጽሕ ኔሩ ።

ናይ መጸበይ ግዜ ከከም ኩነታትን ቦታን እቲ ኣመልካቲ ዋላውን ኣብ ሓደ ክሊ ስልጣን ይፈላለ እዩ ።

እንተኾነ ብዝሒ ጠለብ ልዕሊ እቲ ኣብ ክልልን ከተማን ዘሎ ቀረብ እዩ ይብል ዶ/ር ፈተርሃም ።

"መብዛሕትኡ መምሕድዳር ግዝኣታትን ተሪቶሪታት ንናይ ገዛ ቀረብ ኣብ ሙሉእ ናይ ምምሕዳር ከባቢታት ክውስኽ ይረአ እዩ ። ስለዚ ብዛዕባ ርእሰ-ከተማታት ጥራይ ኣይኰንናን እንዛረብ ዘለና ።

"ኣብ ዞባታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ማእከላት ናይ ዞባታት ብርግጽ ዓቢ ጠለብ ኣሎ ።"

ብዛዕባ ማሕበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ልሙድ ዝዀነ ጽውጽዋይ ወይ ኣበሃህላ ኣሎ ፡ ንሱ ድማ ብዛዕባ ተቕላዕነትን ምስኡ ዝመጽእ ሓደጋ ዘሎ ስጊንጢር ከም ዝዀነ ፡ ዶክተር ስተፋኒ ፕለጅ ይገልጽ።

ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ቤት ትምህርቲ ሶሻል ሳይንስ ፡ ኣብ መንጎ ኣባይትን ጥዕናን ዘሎ ርክብ ትመራመር እያ ።

ሰባት ን ማሕበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ክመርጹ ካብ ዝገብሩሎም ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ ፡ ውጥረት ወይ ጸቕጢ ምርካብ ክራይ ገዛ ምዃኑ ትሕብር ።

"ሰባት ንነዊኅ እዋን ዝጸንሕ ማሕበራዊ ጸገማት ይሃልዎም ፡ ወይ ከኣ ንምርካብ ገዛ ክቃለሱ እንተ ጀሚሮም ፡ ሓደ ካብቲ ሓደ ሓባራዊ ነገር ፡ ብዋጋ ዕዳጋ ክራይ እዮም ዝሽገሩ ።"

ብተወሳኺ "ውን ዓቕሚ መንበሪ ገዛ ቀንዲ ምኽንያት እዩ ።

ዶክተር ፕሌጅ ኣስዒባ ፡ "መንበሪ ገዛ ምርካብ ፡ ክራይ ገዛ ምርካብ ፡ ወይ ዩኒት ምርካብ ጸገም ዘይነበሮም ፡ ሕጂ ግና ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝግንዘቡ ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ ።

New housing
Three in four public housing dwellings in Australia are in major cities. Source: Getty / Andrew Merry

ብመንጽር ናይ ክራይ ገዛ ሓገዝ ፡ እታ 'ዓቕሚ ዘፍቅድ መንበሪ ገዛ' ወይ affordable housing’ እትብል ቃል ምስ ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ/social housing ተጋጊ 'ኳ እንተኾነት ፡ ዝተፈልየት እያ ።

Affordable housing ዝበሃል ብናትካ መምሕድዳር ግዝኣትን ፕሮግራም በቲ ፕሮግራም ኣቢሉ ዝፈላለይ ናይ ትሑት ደረጃ ድጎማ ዝግበረሉ መንበሪ ክራይ እዩ ።

ዋና ጸሓፊ ሆምስ ቪክቶርያ ሳይሞን ኒውፖርት ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ 'እቲ ዝጠፍአ ማእከላይ' ክብል ገሊጽዎ ኣሎ ።

"ኣብ ምጅማር ስርዓተ መንበሪ ገዛ ፡ ብናይ ገዛ ኣልቦነት ኣገልግሎት (homelessness services) ትሕገዝ ፡ ብድሕሪኡ ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ/social housing ፡ ህዝባውን ናይ ማሕበረሰብ መንበሪ ኣባይቲን ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ መንጎ ማሕበራዊን ውልቃዊን ዕዳጋ መንበሪ ክራይ ኣባይቲ ዝቕመጥ ናይ ገዛ መንበሪ እዩ ።"

ምስ ናይ ዕዳጋ መለክዒታት ብምንጽጻር፡ ኣብ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ንዝርከቡ ሰባት ምግልጋል ፡ ዓቕሚ ዘለዎ ናይ ገዛ መደባት ፡ ክራይ መንበሪ ከም ዝንኪ ምግባር ፡

ሚስተር ኒውፖርት "ብሓፈሻ ዓቕሚ ዘፍቅዶ መንበሪ /Affordable housing ካብ 75 ሚኢታዊት ናይ ዕዳጋ ኽራይ ኣይሓልፍን እዩ: ወይ ድማ ካብቲ ሰባት ኣብ ዕዳጋ ክራይ ገዛ ዝኸፍልዎ ብ25 ሚኢታዊት ይንእስ"

ኣፎርዳብል ናይ መንበሪ ገዛ ፕሮግራማት ብናይ ማሕበረሰብ መንበሪ ገዛ ዝካየዱ እዮም ፤ ካብ ናይ ማሕበራዊ መንበሪ ገዛ ናይ መጸበይ ዝርዝር ኣይትውጽኡ።

"ስለዚ ብቐጥታ ብመገዲ ናይ ማሕበረሰብ መንበሪ ኣቕረብቲ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም ።"

ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ መንበሪ ገዛ ዝከታተሉ ኣቕረብቲ ብመገዲ "ቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ ማሕበረ-ሰብ መንበሪ ኣዳላዊ መዝገብ ክትረክብ ትኽእል ። Community Housing Provider Register.

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   

Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now