ኣብ እዋን ሓደጋ ምዕልቕላቕን ህቦቡላን ብኸመይ ሓገዝ ይርከብ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

(State Emergency Service via AP) Source: AAP / HOGP/AP
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣውስትራሊያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ከቢድ ናይ ምዕልቕላቕ ፍጻመታት ርእያ እያ። ኣብ መንጎ 2020-2022, ዓቢ ክፋል መሬት ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሳዕ ብማይ ተደብዩ እዩ። ከቢድ ዝናብ ብተደጋጋሚ መስመራት ወሓይዝ ልዕሊ ዓቐን ክፈሱ ገይርዎም እዩ። ኣብ ገለ ንምዕልቕላቕ ማይ ዝተቓልዑ ማሕበረሰባት ትሕተ ቕርጺ፡ ገዛውቶምን ህይወቶም ከይተረፈውን ንሓደጋ ወዲቑ እዩ። ስለዚ፡ ከቢድ ኩነታት ኣየር ከምዝመጽእ ርጉጽ ምዃን ከመይ ጌርካ ይፍለጥ፡ ንምድላውከ እንታይ ክግበር ይከኣል? መንዩ ንሓገዝ ክሕተት ዘለዎ? ኣብዘለኻዮ ክትጸንሕ ወይስ ክትወጽእ’ዩ ዘለካ?
Share