- ድሕሪ ባርዕ ዱር ምዓስዩ ብደሓን ናብ ቤትካ ትምለሰሉ እዋን?
- ናብ ብባርዕ ዝተሃስየ ገዛ ኣብ ትምለሰሉ እንታይ ጥንቃቐ ኢኻ ክትገአብር ዘለካ?
- ድሕሪ ባርዕ ዱር እንታይ ዓይነት ምእከላት ሕውየትን ፋይናንሲያዊ ደገፍ እዩ ዘሎ?
- ካብቲ ባርዕ ዝወጸ ትኪ ብኸመይ ንጥዕናኻ ይጸልዎ?
- ድሕሪ ባርዕ ዱር ደገፍ ንጥዕና ኣእምሮ ኣበይ ይርከብ?
- ድሕሪ ሓደጋ ወለዲ ንደቆምን ንነኣሽቱን ብኸመይ ይሕግዝዎም?
- ኣብ እዋን ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ደገፍ ማሕበረሰብ ንምንታይ እዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?
ካብ ባርዕ ዱር ምሕዋይ ክኸብድ ይኽእል እዩ ፣ ግናኸ ፡ ሓገዝ ክንከብ ይከኣል እዩ ። ናብ ገዛኻ ብሰላም ካብ ምምላስ ክሳብ ንጥዕናኻ ደገፍ ምርካብ ፡ ድሕሪ ብርቱዕ ባርዕ ዱር ክትወስዶ ዘሎካ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ ።
ኣውስትራሊያውያን ንናይ ዱር ቃጸሎ ምድላው ክገብሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ወትሩ መዘኻኸሪ ይቐርበሎም እዮ ። እቲ ሃልሃልታ ምስ ጠፍአ ግና እንታይ እዩ ዝኸውን ?
ካብ ገዛኻ ምስ ወጻእካ ፡ ናብ ገዛኻ ክትምለስ ትኽእል እቲ ናይ ምምሕዳር ግዝ ኣትካ ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን (SES) ንምምላስ ደሓን ምዃኑ ምስገረካ ኢኻ ክትምለስ ዘለካ ። ቀልጢፍካ ምምላስ ፡ ካብ ዘይጽኑዕ ህንጻ ፡ ካብ ዝወደቑ መስመራት ኤለክትሪክ ወይ ብምቖአት ዝረሰነ ነገራት ኣብ ሓደጋ ከእትወካ ይኽእል እዩ ።

ናብ ገዛኻ ክትምለስ ምስ ተፈቐደልካ ፡ ኣድለይቲ ዘይባላሸዉ መግቢ ፡ ዕሹግ ማይ ፡ ጥረ ገንዘብ ፡ ላምፓዲና ከምኡ "ውን ቅያር ባትሪ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ተማላእ ።
ገዛኹም ከይፈረሰ እንተ ጸኒሑ ፡ ናብ ውሽጢ ቅድሚ ምእታውኩም ፡ ርኡይ ዝኾነ ናይ ትሕተ ቅርጺ ጉድኣት ከተረጋግጹ ትኽእሉ ኢኹም ። ሓዊ ናብ ዝጸለዎ ገዛ ክትኣቱ ከለኻ ፡ መተንፈሲ ፡ ጓንቲ ፡ ነዊሕ እጅገ ኡ ክዳን ድልዱል ሳእንን ግበር ። ዝከኣል እንተ ኰይኑ ፡ ኣብ ፈለማ ንቘልዑን ንንስሳ ገዛን ኣርሕቖም ።
እቲ ቀንዲ ምንዳድ ሓዊ ምስ ሓለፈ ድሕሪ ቅሩብ መዓልትታት ክነድድ ስለ ዝኽእል ፡ ጓህሪ ኸይህሉ ተጠንቒቕካ ድለ ።
ኣብ ናና ግለን ናይ ኒው ሳውዝ ዌልስ ምክትል ሓለቓ ስታፍ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ራሊድ ዝኾነ ሸሪፍ ባይቴህ ነዚ ብዙሕ ግዜ ርእይዎ እዩ ። ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 100,000 ዝኾኑ ወለንተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ከም ሻሪፍ ንማሕበረሰብ ትምህርቲ ምሃብ ፡ ንሓዊ ምቅላስን ንዝደሓኑ ምድጋፍን የገልግሉ ። ንሱ ኣብ 2019 ንፈለማ ግዜ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ኣጋጢምዎ እዩ ።
"ንኽልተ ሰሙን ዝኸውን ድሕሪ እቲ ሓዊ ብቐጻሊ ንጠርዕ ነበርና: ሓደ ወናኒ ገዛ ኣብዉሽጢ ዝረሰነ ዕንጸይቲ ከምዝነበረ ኣይተረድኦን ነይሩ" ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ ። "ድሕሪ ሸውዓተ ክሳዕ ሸሞንተ መዓልቲ ዝኸውን ንፋስ መጺኡና በዚ ድማ ነቲ ረሲኑ ዝጸንሐ ኣኣባሪዕዎ ፣ ብድሕሪ እዚ ነገራት ዝኾነ ትፈልጦ ኢኻ። ብመስኮት ድሕሪ ገዛኦም ምስረኣዩ ፣ ጕንዲ ብሓዊ ክነድድ ርእዮም ። እዚ ጓህሪ እዝን እቲ ርሱን ነገራትን እዚ ፡ ሓዊ ኼንድድ ይኽእል እዩ ፣ ምናዳ ከኣ ናብ ቤትካ ቀረባ እንተ ኰይኑ ሓደገኛ እዩ። "
ቅልጡፍ ድሕነትን ደገፍን ንምሃብ ናይ ህጹጽ እዋን መጽለልን ማእከላት ረድኤትን ይዳለው እዩ ። መብዛሕትኡ ግዜ መጽለሊ ፡ መግቢ ፡ ማይን መዐደሊ ነቑጣታት የዳልዉ እዮም ፡ ከምኡ "ውን ዛዕባ ስምብራት ሓበሬታ ዝህቡ ተሓጋገዝትን መወከሲ ኣገልግሎትን እውን ይቐርቡ እዮም ።
ከም ኢመርጀንሲ ሪካቨሪ ቪክቶሪያ ፡ ሰርቪስ NSW ወይ ናይ ኲንስላንድ ሪካቨሪ ሆትላይን ዝኣመሰሉ ብደረጃ ክፍለ ግዝኣት ኣገልግሎታት ፡ ሰባት ንዚመጽእ ነገራት ንኺፈልጡ ክሕግዞም ይኽእል እዩ ።
ከከም ኵነታትካ እውን ንናይ መንግስቲ ናይ ሓደጋ ገንዘብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ።
ኢንሹራንስ እንድሕር ሃልዩካ ፣ ቅድሚ ምግዓዝካ ወይ ዝኾነ ነገር ምጽርራይ ምግባርካ ንዘሎ ኩሉ ነገራት ኣቐዲምካ ሰንዶ ። ስእልታትን ቪድዮታትን ውሰድ እሞ ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጕድኣት ኣብ ጽሑፍ ኣስፍሮ ። ገለ ኩባንያታት ኢንሹራንስ ከም ግዝያዊ መንበሪ ንዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ቅልጡፍ ደገፍ ይገብሩ እዮም ።

ትኪ ባርዕ ዱር ኣብ ቀረባን ርሑቕን ንዘለዉ ሰባት ካብ ሓዊ ይጸልዎም እዩ ፡ እዚ ድማ ንጽሬት ኣየርን ጥዕናን መዓልታዊ ህይወትን ዝጸሉ እዩ ። ብፍላይ እቶም ምስ ልቢ ወይ ምስ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገማት ዝነብሩ ሰባት ብቐሊሉ እዮም ዝጥቅዑ ።
ናይ ህጹጽ ሓደጋ ሓኪምን ናይ ህዝቢ ጥዕናን ናይ ሓደጋ ክኢላ ዶ/ር ላይ ሄንግ ፎኦንግ እቲ ሳዕቤን ነዊሕ ክጸንሕ ይኽእል እዩ ትብል ።
"ኣብ እዋን ባርዕ ዱር ብላክ ሳመር ከም ዝረኣናዮ ፡ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሕ ምቅላዕ ንዕቤት ዘይተወልዱ ዕሸላት ክጸልዎ ይኽእል እዩ ። እዚ ሕማም እዚ ንሕማም ልቢ: ምድራቕ: መንሽሮ: ወቕዒ: ሽኮርያ: ከምኡውን ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ክጸሉ ከምዝኽእል ክርሳዕ የብሉን "በለት ።
ብፍላይ ለውጢ ክሊማ ብተደጋጋሚ ክኽሰትን ንኽብደትን ምንዳድ ዱር ስለ ዝውስኾ ፡ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ንኣእምሮኣዊ ጥዕናና ክጸልዎ ይኽእል እዩ ።
"ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ መጻኢ ብዙሕ ሳዕቤን ከምጽእ ስለ ዝኽእል ፡ ኣብ መጻኢ እንርእዮ ነገራት ድማ ብተደጋጋሚ እንርእዮ ክከውንዩ፡ እዚ ከኣ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ፣ ሰባት ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘጋጥም ነገራት ፡ በቲ ተመክሮ ስለ ዝጭነቑ ፡ ንጭንቀትን ጸቕጥን ከምኡውን ኵሉ እቲ ድሕሪ ግዜ ዘጋጥም ሕማቕ ውጥረት ዘስዓቦ ሳዕቤናት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ" ብምባል ዶክቶር ላይ ትገልጽ ።
ደገፍ ብመገዲ ናይ ሕውየት ማእከላት ፡ ብመገዲ ሓፈሻዊ ሓኪምኻ ፡ ከምኡ "ውን ን24 / 7 ናይ ሓገዝ መስመራት ከም ናይ ሂወት መድሕን Lifeline ወይ Beyond Blue.ሓገዝ ይርከብ ።

ንቘልዑን ንመንእሰያት ድሕሪ ሓደጋ ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ ። ድሕንነት ወለዲ ንውሉዳት ኣብ ምክንኻን ዓብዪ ግደ ኣለዎ ።
ኤሪን ፐሊ ኣብ ቀይሕ መስቀል ኣውስትራሊያ ማናጀር ሃገራዊ ምሕዋይን ህጹጽ ረድኤትን እያ፡ ድሕሪ ሓደጋ ምእላይ ብፍላይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ትብል ።
"ድሕሪ ሓደጋ ሓላፍነት ወለዲ ብሓቂ ከቢድ እዩ ። ኣብ ጕዕዞ ብዙሕ እተፈላለየ ነገራት ኣሎ ። ደቅኻ እውን ተመሳሳሊ ወይ በዳሂ ስምዒታትን ሓሳባትን የጋጥሞም ወይ ነቲ ሓደጋ ብስሞኢት ይምልስሉ ይዀኑ ። እዚ ብሓቂ ንቡር እዩ ። ብዙሕ ስለ ዘሕለፍካ ፡ ኣጸናኒዕካዮም ከምኡ እውን ሓልዮትን ምጽንናዕን ምሃብ ፡ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ንደቅኻ እውን ከማኻ ገይሩ ዝፈልጦም የልቦን "
ኣብ ደቅኹም ዘጨንቕ ባህሪያት እንድሕር ኣስተብሂልኩም ፣ ብሓኪምካ. ወይከኣ ብናይ ሓገዝ መስመር Kids Helpline ኣቐዲምካ ሓገዝ ምድላይ ኣገዳሲ እዩ ። Kids Helpline ምስጢራዊ ስልኪ ብምድላውን ኣብ መስመር ምኽሪ ንመንእሰያት ዕድሚኦም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 25 ዓመት ዝበጽሑ ደገፍ ይግብር እዩ።
ዳግመ-ሕውየት ንኹሉ ሰብ ዝተፈልየ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ሰባት ዝጽበይዎ ዝነውሐ ግዜ ይወስድ ።
ኢሪን ፐል ፡ ሰባት ኣብ ግዜ ሕውየት ፡ ንእሽቶ ግዜ ክወስዱ ማለት ሻሂ ብምስታይ ፡ ምስ ስድራ በቶም ንምኻድ ወይ ምስ ጐረባብቶም ብማርኻብ ናይ ጎረባብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ምድላው ዝኣምሰሉ ክምድቡ ኣለዎም።
ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ ፡ ግድነት ዓቢ ነገር ክኸውን የብሉን ። ኣብኡ ምህላው ጥራይ ዓብዪ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ።
"ሓደ ሰብ ከም ዝሓልየልካ ምፍላጥካ ፡ ነቲ እተሕልፎ ዘለኻ ኩነታትት ከም ዝሰምዖን ነቲ ዘጋጠመ ንኽትሰግሮ ከም ዝሕግዘካን ምፍላጥ ፡ ንሰባት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ስለዚ ፡ ገንዘብ ምውፋይ ፡ ወይ ሓገዝ ምውፋይ ፡ ወይ ግዜ ምውፋይ ግድን ኣየድልን እዩ ፣ የግዳስ ፡ ኣብ ልብኻ ዝስምዓካ ንሓደ ሰብ ምኽፋል ኣኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።"
ካብ ናይ ዱር ባርዕ ምሕዋይ ነዊሕ ጉዕዞ ዝሓትት እዩ ፡ እንተኾነ ግን ንድሕንነትካ ፡ ገዛኻን ጥዕናኻን ሓገዝ ይርከብ እዩ ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au






