ብሰንኪ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝሓለፈ ዓመት ሰብኣዊ ክሳራታት ዝበዝሑሉ ክኸውን እንከሎ ኣብ ኤርትራ ኸኣ ግፋታት በዚሖም

Credit: SBS
ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘለውዎ ዝኸፍኡ ኮይኖም ይቕጽሉን ኲናት ኣብ ትግራይ ዘንቀሎ ኸኣ መሊሶም ይገዱን ኣለዉ ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ገሊጹ። ዓለማዊ ጸብጻብ 2023 ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ህዩማን ራይትስ ዎች መበል 33 ጸብጻቡ ኣብ ከባቢ 100 ሃገራት ዘለዉ ኣተሓሕዛታት ሰብኣዊ መሰላት ገምጋም ሂቡ።
Share