ሰልፊ ዕዮ ኒውዚላንድ ብዓብላሊ ኣብ ዝተዓወተሉ ምርጫ ኤርትራዊ-ኒውዚላንዳዊ ኢብራሂም ዑመር ሓድሽ ኣባል ባይቶ እቲ ሰልፊ ኮይኑ። ኣቐዲሞም ኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ኣብ ከተማ ዌሊንግተን ውጽኢት ምርጫ ክከታተሉን ክምልከቱን ኣብ ወሰን ሩባ ኣብ ዋረዋካ ተኣኪቦም። ገዳይምን ዓበይትን ኣባላት ሰልፊ ከም በዓል ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ጂዮፍሪ ፓልመርን ዊኒ ላባንን ከም'ኡ'ውን ሓደስቲ ወለዶን ተረኺቦም። እቲ ዝዓበየ ጣቕዒት ናይ'ቲ ምሸት ንኢብራሂም ዑመር ተሓዚኡ። ኢብራሂም ቀዳም ምሸት ሓደ ካብ ብዙሓት ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኒውዚላንድ ኮይኑ።
ኢብራሂም፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሃዲሙ ብስግረ ዶብ ናብ ሱዳን ሓሊፉ ናብ ሃገረ ኒውዚላንድ ካብ ዝኣቱ 12 ዓመታት እዩ ኣቑጺሩ።
ካብ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ናብ ኣፈኛ ማሕበር ሰራሕተኛታት (Trade Union) ብናይ ሳይንስ ፖለቲካ ብዲግሪ ተማሂሩ፡ ሎሚ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ናይታ ህብብቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጀሲንዳ ኣርደን ናይ ኒውዚላንድ ሰልፊ ለበር ኣባልን ኣባል ፓርላማ ንክኸውን ካብቶም ላዕለዎት ሕጹያት ኮይኑ ኣሎ።
ናይ ኢብራሂም ዑመር ነቲ ዘይከኣል ዝመስል መሳልል ሰጊርካ ኣብ ናይ ስደት ህይወት’ውን እንተኾነ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ንምብጻሕ ናይ ይከኣል መንፈስ ዝፈጥር ታሪኽ ንምስማዕ ኣብ ላዕሊ ጠውቑ።
Share






