ካብቲ ዝመጻእናሉ ሃገር ዝሓሸ ስለዝረኸብና ንዝበጽሓና ኣድልዎ ንምንታይ ብጸጋ ንቕበሎ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ

ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክን ተመራማሪ ኦኣሌታዊ ኣድልዎን “Racism in Australia Today” ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈን እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉጥ ኣቦርጂናዊ ጋዜጠኛ ስታን ግራን ብዝወረዶ ናይ ዓሌታዊ ዉርደት ካብ ስርሑ ከም ዝወጸ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ኣድልዎ ብፖሊሲ ደረጃን ብውልቀን እንታይ ከምዝመስልን ምስ ኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት መብርሂ ሂቡና። ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ዝጸንሕኩም እዩ።
Share