SKIP TO MAIN CONTENT

ቃለ መሕትት ምስ ጋዜጠኛ ኣብርሃም ተስፋልኡል

Interview SBS Tigrinya
Source: Abrham Tesfaleul

ብረቡዕ ዕለት 18 ሚያዝያ ኣብ ካፒቶል ሂል ዋሺንግቶን ዲሲ᎓ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቶም ላንቶስ ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተወደበ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝሰምዕ ንህዝቢ ክፉት ዝዀነ መጋብኣያ ኣዳልዩ ነይሩ። ኣብቲ “ኤርትራ፤ ጠንቂ ቅልውላው ስደት” ብዝብል ቴማ ዝተጋብአ ዘተ᎓ ኣርባዕተ ሰባት ምስክርነቶም ሂቦም ነይሮም። ንሳቶም ጀና ማሶን ላዕለዎይቲ ኣማኻሪት ኣብ ልዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣባ ቶማስ ሪሰ ኮሚሽነር ኮሚሽን ውሕሰነት ሃይማኖት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ማሪያ በርነት ዳይረክተር ሁይማትን ራይትስ ዎትች ኣብ ቀርኒን ምብራቕን ኣፍሪቃ፣ ከምኡ’ውን ኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ዋና ዳይረከተር ፐን ኤርትራን’ዮም ነይሮም። ንሎሚ እምበኣር ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት ምስ ኣብርሃም ተስፋልኡል ዝገበርናዮ ሓጺር ቃል-መሕትት ናባኹም ነብል።

Published

By Beyene Semere

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ብረቡዕ ዕለት 18 ሚያዝያ ኣብ ካፒቶል ሂል ዋሺንግቶን ዲሲ᎓ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቶም ላንቶስ ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተወደበ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝሰምዕ ንህዝቢ ክፉት ዝዀነ መጋብኣያ ኣዳልዩ ነይሩ። ኣብቲ “ኤርትራ፤ ጠንቂ ቅልውላው ስደት” ብዝብል ቴማ ዝተጋብአ ዘተ᎓ ኣርባዕተ ሰባት ምስክርነቶም ሂቦም ነይሮም። ንሳቶም ጀና ማሶን ላዕለዎይቲ ኣማኻሪት ኣብ ልዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣባ ቶማስ ሪሰ ኮሚሽነር ኮሚሽን ውሕሰነት ሃይማኖት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ማሪያ በርነት ዳይረክተር ሁይማትን ራይትስ ዎትች ኣብ ቀርኒን ምብራቕን ኣፍሪቃ፣ ከምኡ’ውን ኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ዋና ዳይረከተር ፐን ኤርትራን’ዮም ነይሮም። ንሎሚ እምበኣር ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት ምስ ኣብርሃም ተስፋልኡል ዝገበርናዮ ሓጺር ቃል-መሕትት ናባኹም ነብል።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now