ዕላል ምስ ስነጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ (ሊንጎ)
HaileMichael haileSelasie (Lingo)
ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ ብዚያዳ ኣድነቕቱ በታ ንነዊሕ ቁመቱ እተመልክት ሊንጎ ብእትብል ስጓ ኢዮም ዝፈልጥዎ። ምስ ህግ ከም ተጋዳላይ ኮይኑ ኣብ ሓጸርቲ ልቢ-ወለዳትን ግጥሚ ንደርፍታትን ካልእ ስነ ጥበባዊ ስራሓት ብምቕራብ ኣብ ህዝብን ተጋደልትን ተፈላጥነትን እኳ እንተነበሮ፡ ስሙ ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ዝገነነ ግና ኣብ ፈስቲቫል ቦለኛ 1991 ኢዩ ነይሩ። ደራሲ መጻሓፍቲ፡ ጸሓፊ ግጥምታት ንደርፊ፡ ኣፋላጢ መድረኽ ሊንጎ ምስ SBS/Tigrinya ጻንሖት ገይሩ ኣሎ። ንስነ ጥበባዊ ስራሓቱ፡ ትዕዝብታቱ ኣብ ፈሲቲቫል ቦለኛ ናይ ትማልን ሎምን ኣዕሊሉ ኣሎ፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ናባኹም ነብሎ።
Share




