“እዚ ብሓይሊታት ትግራይ ናብ መስመር ጂቡቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ገስጋስ፡ ንኢትዮጵያ ብጎሮሮኣ ክሓንቅዋ ከምዝኽእሉ ዘመላኽትዩ።” ድ/ር መሓመድ ኬር ዑመር

Dr. Mohamed Kheir Omer Source: Supplied
ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ፡ ብወገን ምዕራብ መጥቃዕቲ ክፍንዉ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት እናተገብረ፡ ናብ ወገን ደቡብ ኣቢሎም ኣብ ዉሽጢ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን እቲ ኲናት ቀጺሎሞ ኣለዉ። ነዚ ምዕባለ ተኸቲሉ፡ ኲነታት ኣብ ወጥሪ ወዲቕሉ ዘሎ እዋን እቲ ምዕባለ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናበይ ገጹ ክኸይድ ከምዝኽእል፡ ጸሓፊን ተመራማሪን ዶ/ር መሓመድ ኬር ዑመር ትንታነ ሂቡ ኣሎ። ኣብዚ ክስማዕ ይከኣል'ዩ፡
Share