SKIP TO MAIN CONTENT

“ክትጽሕፍ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ዘይኮነስ፡ ሕቶ ምህላውን ዘይምህላውን እዩ ዘሎ ኣብ ዓድና።” ጸሓፊት ይርጋኣለም ፍስሃ

Interview with Yirgalem Fiseha
Source: Yirgalem Fiseha

ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ᎓ ሓንቲ ካብተን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ደቀንስትዮ ገጠምቲ ኤርትራ’ያ። ይርጋኣለም᎓ ካብ መስከረም 2003 ኣትሒዛ ኣብ ትምህርታዊ ረድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ᎓ ምስ ምዕጻውን ዝሰዓበ ሃድን ጋዜጠኛታትን እታ መደበር ረድዮ᎓ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009᎓ ምስ ካልኦት መሳርሕታ ተገፊፋ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶን ማይ-ስርዋን ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ድሕሪ ምኣሳር ኣብ ጥሪ 2015 ተለቒቓ። ብድሕሪኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻእ ኣብ ዩጋንዳ ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ’ውን ብዛዕባ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፍቶ ግዜ ብሰፊሑ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ትጽሕፍ ነይራ። ይርጋኣለም᎓ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ፐን ጀርመን ብዝቐረበላ ዕድመ ትምህርቲ ናብ ሙኒክ ጀርመን ኣትያ ኣላ። ብዛዕባ ጕዕዞኣ᎓ ትጽቢታን መጻኢ መደባትን ኣመልኪትና ምስ ይርጋኣለምን ፍስሃን ነዚ ዕድል ትምህርቲ ንኽትረከብ ብማሕበርን ውልቂን ዝተሓባበራ ዋና ዳይረከተር ፐን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋልኡልን ሓጺር ጻንሖት ጌርና ኣሎና።

Published

By Beyene Semere

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ᎓ ሓንቲ ካብተን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ደቀንስትዮ ገጠምቲ ኤርትራ’ያ። ይርጋኣለም᎓ ካብ መስከረም 2003 ኣትሒዛ ኣብ ትምህርታዊ ረድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ᎓ ምስ ምዕጻውን ዝሰዓበ ሃድን ጋዜጠኛታትን እታ መደበር ረድዮ᎓ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009᎓ ምስ ካልኦት መሳርሕታ ተገፊፋ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶን ማይ-ስርዋን ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ድሕሪ ምኣሳር ኣብ ጥሪ 2015 ተለቒቓ። ብድሕሪኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻእ ኣብ ዩጋንዳ ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ’ውን ብዛዕባ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፍቶ ግዜ ብሰፊሑ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ትጽሕፍ ነይራ። ይርጋኣለም᎓ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ፐን ጀርመን ብዝቐረበላ ዕድመ ትምህርቲ ናብ ሙኒክ ጀርመን ኣትያ ኣላ። ብዛዕባ ጕዕዞኣ᎓ ትጽቢታን መጻኢ መደባትን ኣመልኪትና ምስ ይርጋኣለምን ፍስሃን ነዚ ዕድል ትምህርቲ ንኽትረከብ ብማሕበርን ውልቂን ዝተሓባበራ ዋና ዳይረከተር ፐን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋልኡልን ሓጺር ጻንሖት ጌርና ኣሎና።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now