“ ካብ ቁልዕነተይ ኣትሒዘ መስትያት’የ ዝፈቱ ኔረ” በዓልቲ ሞያ ስነ ጽባቐ ሓናን እድሪስ
Credit: SBS Tigrinya
ትሕቲ ዕድመ ከላ ተመርዕያ ትሕቲ ዕድመ ከላ ድማ ቆልዓ ወሊዳ እያ ናብ ኣውስትራሊያ ተሰዲዳ። ንኹሉ ዘጋጥማ ማሕለኻታት ሰጊራ ግና፡ ንሓሙሻይ ርእሳ ስራሕ ዝፈጥር ናይ ስነ ጽባቐ ስራሕ ንግዲ ኣማዕቢላ። ዛጊት ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጹ ብዙሓት ዓማዊል ኣጥርያ ኣላ። እታ ኣብ እዋን ንእስነታ ዝወለደታ ዓባይ ጓላውን ኣብ ስራሕ ትሕግዛያ፡ ብስነ-ጽባቐን ኣርትን ትመሃር ኣላ። ናይ ርሑቕ ጠመተ ሓናን ምስ ጓላ ነቲ ቢዝነስ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብጻሕ ዘይሕለል ጻዕሪ እያ ትገብር ዘላ። ብምኽንያት ዝኽሪ ምጅማር 50 ዓመት SBS ዳግም ናብ ሰማዕቲ ኣቢልናዮ ኣለና።
Share