'ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ጾታ፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ኩነተ መርዓ፣ ዕድመ፣ ትምህርቲ፣ ሃብቲ፣ ኣይፈልን፣ ኣእምሮና ዝበለጸት ሃብትና'ያ'ሞ ንሓልዋ' - ክኢላ ዮናስ ምሕጽንቱ

Yonas Mihtsuntu Credit: Wellways
ክቡራት ሰማዕትና ዕዱምና፣ ኣቶ ዮናስ ምሕጽንቱ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ዘለዎ ክኢላ ጥዕና ኣእምሮን ልዕሊ 15 ዓመት ተሞክሮ ዘለዎ ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህብን’ዩ። ንሱ ጭንቀት፣ ጸገማት ኣብ ዝምድናታትን ምስግጋር ህይወትን ገለ ካብ’ቶም ብዙሓት ተገዲሱ ዝሰርሓሎም ጸገማትን ሞያዊ ኣትኩሮ ዝገብረሎምን’ዮም። ኣብ’ዚ ኣብ ከተማ መልበርን፣ ኣውስትራልያ፣ ብዘይካ’ቲ ምሉእ ሰዓታት ዝሰርሓሉ ኸኣ ሓደ 'ዮኔክስ ማይንድኬር' ዝተባህለ ንግዳዊ ማእከል ከፊቱ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፍ። ሎሚ እምበኣር ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮን ጸገማቱን፣ ሓፈሻዊ ርድኢት ሕብረተስብን ተጠቃምነት ቀረብ ኣገልግሎታትን ዝምልከት መብርሂ ክህበና’ዩ።
Share