"እዚ ስልማት ዝለዓለ'ኳ እንተኾነ ድሌት ምሕጋዝ ስለዘለኒ ገና ሰናይ ተግባረይ ክቕጽሎ እየ" - ያሲን ሙሳ

Credit: Damjan Janevski
ኣብ’ዚ ኣብ ከተማ መልበርን ነባሪ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ ኣቶ ያሲን ሙሳ ብምኽንያት መዓልቲ ኣውስትራልያ/’ኣውስትራልያ ደይ’ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ፍሉይ ክብሪ ዝረኸቡ ሰባት ናይ’ዚ ዓመት ተረቚሑ። ኣቶ ያሲን ኣብ ሓፈሻዊ መዳይ ህይወት ንኡድ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣውስትራልያውያን ኣፍልጦ ዝህብ Medal of the Order of Australia in the General Division (OAM) ተሰላሚ ኮይኑ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ዕላል ምስ ኣቶ ያሲን።
Share